ብመሳርሒ ኩናት ምዝርራብ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ታሪክ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ እዩ -መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 16፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብመሳርሒ ኩናት ምዝርራብ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ታሪክ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ እዩ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።
ካብ መላእ ሃገር ብህዝቢ ዝተወከሉ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ካብ ሓምለ 8/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ን46 መዓልታት ዝፀንሐ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ስነ-ስርዓቱ መዕፀዊ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣባላት እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፉ 46 መዓልታት ኢትዮጵያ ኣጀንዳኦም ብምግባር ንዝገበርዎ ተሳትፎን ፃዕርን ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዝሓለፉ ግዜያት ዘርአይዎ ፍቅርን ሓልዮትን ፍሉይ መግለፂ ኢትዮጵያውያን ምዃኑ ንዓለም ኣርእዮም ኢሎም።
እቲ ዘተ ኢትዮጵያውያን ተመካኺሮምን ተዘራሪቦምን እወንታዊ ውፅኢት ከምፅእ ከም ዝኽእል ብምሕባር፤ ድሕሪ ሕዚ ብመሳርሒ ኩናት ምዝርራብ ኣብ ኢትዮጵያ ታሪክ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ እዩ ኢሎም፡፡
ብኣቤል ነዋይ