ብቑዕን ተወዳዳሪን ዜጋ ንምፍራይ ዝተጀመረ ጉዕዞ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓጎስን ምሕዳስን ሓዱሽ ዓመት ስዒቦም ኣብ ዝመፅኡ መዓልታት ስራሕ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተምሃሮ፣ ን2019 ዓ.ም ዓመተ ትምህርቲ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ይምለሱ።
ዓመተ ትምህርቲ 2019 ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ። ሓበሬታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ከም ዘመላኽቱዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ መደመር ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዘላቒን ናይ መዋቕርን ለውጥታት ንምምፃእ ሰፊሕ ስራሕ እናካየደ ፀኒሑ ኢዩ።
ትምህርቲ መሰረት ህንፀት ወለዶን መሰረት ዕቤት ሃገርን ብምግባር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ሃገራዊ ሪፎርምታት፣ ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ምልኣኽ ሓሊፎም፣ ምስ እዋኑ ዝሰማዕማዕ ዓለም ለኸ ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎ፣ ራኢ ዘለዎ ወለዶ ንምፍራይ ዝዓለሙ እዮም።
በቢብርኩ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ንምግባር ሰፊሕ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ተኻይዱ እዩ።
ኣብ ኩለን ክልላት ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ተምሃሮ ንምፍራይ ዘኽእሉ ሓዳሪ ኣቢያተ ትምህርቲን ፍሉይ ድሌት ትምህርቲ ቤት ትምህርትታትን ተሃኒፆም ስራሕ ጀሚሮም።
ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ኣቢያተ ትምህርቲ ንምዕባይ ናይ ኮምፒዩተር ላቦራቶሪታት፣ ምዝርጋሕ ኢንተርኔትን ምዝርጋሕ ዲጂታል መምሃሪ መፃሕፍቲን ሰፊሕ ስራሕቲ ተኻይዶም።
ቅድመ ስሩዕን ቀዳማይ ብርኪን ኣቢያተ ትምህርቲ ንምምሕያሽን ኣቢያተ ትምህርቲ ንሕብረተሰብ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቦታ ንምህናፅን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ሰፊሕ ስራሕ ክስራሕ ተኻኢሉ።
ሞያዊ ብቕዓት መምህራን ንምዕባይ ማዕቐፍ ስልጠናታት፣ ምዘና ፍቓድ ሞያን ዕድላት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ንምምቻቻው ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተኻይዶም።
ብመንግስቲ መደመር ቀዳምነት ካብ ዝሃቦም ጉዳያት ሓደ ዝኾነ ኣውዲ ትምህርቲ፤ ብመመሓየሺታት ውዳበ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ብዝለዓለ ደረጃ ተመሓይሹ እዩ።
በዚ ድማ ብዝተገበረ መመሓየሺ ካሪኩለም ዲጂታል ሽግግር ፍልጠት ቀዳምነት ዝህብ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ተተግቢሩ።
ፈተናታት መውፅኢን መእተዊን ዩኒቨርሲቲ እውን ተተግቢሮም ፃዕርን ብቕዓትን ዋጋ ዝረኽቡሉ ስርዓት ተዘርጊሑ።
ካብ ትካላት ላዕዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመረቑ ተምሃሮ ሞያዊ ብቕዓቶም ተረጋጊፁ ንኽወፅኡ ዝተዘርግሐ ኣሰራርሓ ፅሬት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ናብ ሓዱሽ ደረጃ ኣሰጋጊሩዎ።
ትምህርቲ ሓባራዊ ሓላፍነት ብምዃኑ፤ ወለዲ፣ መምህራን፣ ተምሃሮን መላእ ሕብረተሰብን ፅሬት ትምህርቲ ንኽረጋገፅ ክዋፅእዎ ዝግበኦም ግደ ክዋፅኡ ይግባእ።
ብምህረት ደምሴ