Fana: At a Speed of Life!

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ንበዓል ደመራ መስቀል ንምክባር ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፓትርያርክ ማላንካራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ በዓል ደመራ መስቀል ንምክባር ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ብመሰረት ዕድመ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ሥላሴ ካቴድራል ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣኵስም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ኣብ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ብደሓን መፃእኩም መልእኽቲን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ፃንሒት ንክህልዎም ተመንዮም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ማርቶማ ማቴዎስ 3ይ ብወገኖም ፍሉይ በዓል ደመራ መስቀል ኢትዮጵያ ንምክባር ብምዕዳሞም ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ንዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ድማ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ክልቲአን ኣሓት ቤተ ክርስቲያናት ናይ ጥንቲ ሓድነተን፣ ባህሊ፣ ፍልጠትን ክብርታትን ክልቲአን ሃገራት ብምጥንኻር ምሕዝነተን ክቕፅላ ምዃነን ድማ ብኣፅንኢቶም ገሊፆም።

ብበፀሎት መንገሻ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.