ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ዘተ ኣብ ዝተመደቡሉ ኣጀንዳ ምዝታይ ጀሚሮም – ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተሳተፍቲ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተመደቡሉ ኣጀንዳ ሎሚ መዓልቲ ምዝታይ ጀሚሮም ኢሉ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓሙድ ድሪር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ከይዲ ቁልፊ ኣካል እቲ ዘተ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
ተዛተይቲ ኣብ ኣናእሽቲ ጉጅለ ተኸፋፊሎም ኣብ ዝተመደቡሉ ኣጀንዳ ምዝታይ ከምዝጀመሩ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም፡፡
ዝተጀመረ ከይዲ ዘተ ተዛተይቲ ሓሳቦም ዘንሸራሽሩሉን ናይ ካልኦት ኣመለኻኽታ ዝሰምዑሉን ቁልፊ ምዕራፍ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ተዛተይቲ ኣብ ዝተመረፁ ኣጀንዳታት ተመዲቦም ልዝባት ቅድመ ዘተ፣ ምፍልጣ ከምኡ እውን ኣብ ኣሰራርሓ ስርዓታት እቲ ዘተ እኹል ግንዛበ ወሲዶም ኢሎም፡፡
ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ ተዛተይቲ ኣብ ንኡስ ጉጅለታት ብምክፍፋል ኣብ ዝተመደቡሉ ኣጀንዳ ምዝታይ ሚሮም ኢሎም፡፡
ኣብ ሓደ ኣጀንዳ 500 ተዛተይቲ ዝሓዘ ዓብዪ ጉጅለ ስራሕ እቲ ውዳበ ብምፅራሕ፥ ኣብዞም ዓበይቲ ጉጅለታት ሕድሕዶም 50 ተዛተይቲ ዘለዉዎም 10 ንኡስ ጉጅለታት ምህላዎም ሓቢሮም፡፡
ብሓፈሻ 80 ንኡስ ጉጅለታት ኣብ ዝተመደቡሎም ኣጀንዳታት እናዘተዩ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡
ብዮናስ ጌትነት