Fana: At a Speed of Life!

ተጋድሎ ሓርበኛታት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋሽስት ጣሊያን ዳግም ንኢትዮጵያ ዝወረረሉን ምስ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ን5 ዓመት ታሊሲ ዝተሰዓረሉን መበል 85 ዓመት በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ይርከብ።

ፋሽስት ጣሊያን ኣብ ዓድዋ ዝበፅሖ ስዕት ንምቕያር ዳግም ንኢትዮጵያ ዝወረረሉን ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ህዝቢ ብምትሕብባር ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ተጋድሎ 27 ሚያዝያ 1933 ዓ.ም ዳግም ዓወት ዓቲሮም፡፡

መዓልቲ ሓርበኛታት እንትኽበር ናይ ሕዚ ወለዶ ታሪኽ ዓወት ሓርበኛታት ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ውፅኢት ብምምዝጋብ ከምኡ እውን ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ብምሕላው ክደግሙዎ ይግባእ ኢሎም፡፡

ፅባሕ ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያ ግዝኣት ንምስፍሕፋሕ ክትሓስብ ትኽእል ኢያ ብዝብል ናይ ብዙሓት ባዕዳዊ ሃገራት ትኹረት ስሒባ ከምዝነበረት መዝገብ ታሪኸ የረድኡ፡፡

ኣብ ሰሜንን ደቡብ ምብራቕን ጣሊያን፣ ደቡብ ምዕራብ እንግሊዝ ከምኡ ውእን ኣብ ምብራቕ ፈረንሳይ ከም ከበባ ዝበለ ኣካየዳ ሓሲቦም ነይሮም፡፡

ስምምዓት ውዕሊ ዶብ ናብ ጠረጴዛ ንምምፃእ ምፍታን ጣሊያን ንነዊሕ እዋን ዝሰርሐት ኢትዮጵያ ንመሓዝን ሕነ ንምፍዳይን ዝኸውን ግዘ ናይ ምምችቻው ስራሕቲ ሓደ ምዃኑ ይፅራሕ፡፡

ነዚ ኣብነት ዝኸውን ድማ ጣሊያን ብባዕዳ ኣብ ዝሓዘታ ናይ ጣሊያን ሶማሌላንድን ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ 1900 ዓ.ም ዝተገበረ ስምምዕነት ኢዩ፡፡

ፋሽስት ጣሊያን ኣብ ዓድዋ ዘጋጠሞ ናይ ስዕረት ቁስሊ ብዓወት ንምስጋር ንጣሊያን ንምምራሕ ናብ ስልጣን ዝመፅኡ ኩሎም እናሓሰቡ እናተመነዩን ዓመታት ይሕለፉ እምበር ኣብ 1922 ናብ ስልጣን ዝመፅአ ሞሶሎኒ ተንኮል ብምእላሽ ዕረፍቲ ከምዘይነበሮ ይፅራሕ፡፡

ኣብ ሃረር ኣውራጃ ኦጋዴን ዘካየዶ ወራር ወልወል እውን ካብዚ ስምዒት ተወለደ ከምዝኾነ ታሪኽ ይነግረና።

ኣብቲ እዋን ዝተፈጠ ወጥሪ ናብ ኲናት ንኸዓቢን ናይ ዓድዋ ካባ ስዕረት ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ብምስዓር ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝሰኣኖ ክብሪ ንምምላስን ኣጋጣሚ ከምመንደርደሪ ተጠቒሙሊ ኢዩ፡፡

ካብ ሮም ዝተልኣኸ ጦር ጣሊያን 22 መስከረም 1928 ሩባ መረብ ተሳጊሩ ኣብ ዓድዋ፣ ዓዲግራት ኲናት ከፊቱ ነይሩ፡፡

ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታትን መራሕቲን እውን ዓለም ወራር ፋሽስት ጣሊያን ክርኢን ብኸበባ ዕጥቁን ስንቁን ንምውዳእ ብምሕሳብ እቲ ጦር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፀገም እንተየጋጠሞ ናብ ማእኸል ሃገር ክኣቱ ፈቐዱ፡፡

ብ9 ክፍለ ጦራት ተወዲቡ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ጦር ጣሊያን ገዝኦም፣ ንብረቶም፣ ሕርሻኦም ኩሉ ሓዲጎም ናብ ጫካ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ዕረፍቲ እናስአነ እውን እንተኾነ ንሓሙሽተ ዓመታት ፃንሒት ገይሩ፡፡

ኢትዮጵያውያን መንፈሳዊን ኣካላዊን ጉድኣት ዓቕሚ ከስእኖም ይፈትን እምበር ንፀላኢ እምቢ ብምባል ኣብ ዓድዋ ዓወት ዝሓፈሱ ኣቦታት ታሪኽ ብምድጋም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ቃልሲ ሃገሮም ካብ ፋሽስት ናፃ ኣውፂኦም፡

እታ ዕለት ኢትዮጵያ ሓርበኛታት ብሓድነት ንዳግም ወራር ፋሽስት ጣሊያን ዝኸፈሉዎ መስዋእትነትን ዘምፅኡዎ ዓወትን ንምሕሳብ በቢዓመቱ 27 ሚያዝያ ይኽበር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.