ትካላት እንትጠናኸሩ ሃገር ትፀንዕ፤ ስርዓት ዴሞክራሲ እውን መሰረት ይሕዝ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 21፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገርና ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ብልፅግና፣ ዘላቒ ሰላምን ናይ ሓቂ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፈፀመቶ ዓሚቝ ትካላዊ ምምሕያሻትን ዘመዝገበቶም ርኡይ ውፅኢታትን መሰረት እናሓዙን እናፀንዑን መፂኦም።
ሃገር ብፅኑዓት ትካላታ ትግለፅ፤ ነዚ ድማ መንግስቲ ንምፅናዕ ትካላት ብዝሃቦ ትኹረት ሉኣላውነት ሃገር ብፅንዓት ዘኽብሩ፣ ስርዓት ዴሞክራሲ ዘንብሩ ውሳነ ህዝቢ ዝህቡ፣ ንወለዶ ተስፋ ዘረጋግፁ፣ ነቲ ዞባ ድማ ዘተኣማምን ኩርዓት ዝኾኑ ትካላት እናተፈጠሩን ውፅኢታዊ ኣፈፃፅማ እናርኣዩን ይርከቡ።
ኣብተን ናይ ለውጢ ዓመታት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ትካላት ፀጥታን ካብቲ ዝነበሩሉ ፖለቲካዊ ዘይሻራውነት ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ብምውፃእ፣ ብዘበናዊ ሳይንስ ውትድርና፣ ብሞያዊ ብቕዓትን ብፅኑዕ ሃገራዊ ፍቕርን ጥራይ ክምርሑ ተጌሩ። በዚ መሰረት እቶም ትካላት ብልዑል ቴክኖሎጂታትን ብዝሰልጠነ ሰብኣዊ ሓይልን ተጠናኺሮም፣ ህዝባዊ መሰረቶም ኣስፊሖም፣ ብልዕልነት ሕጊ ዝምርሑን ልዑላውነት ሃገር ብዘተኣማምን ኩነታት ከኽብሩ ዝኽእሉ ዘይድፈሩ ዓቕሚ ፈጢሮም።
ንትካላት ዴሞክራሲ ንምፅናዕ ብዝተወስደ ቆራፅ ስጉምቲ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ተሞክሮ ሓድሽ ተስፋ ክኸውን ክኢሉ። እቲ ትካል ዝገበሮ ፅኑዕን ውፅኢታውን ስራሕ ሪፎርም፣ ኣብ ሻውዓይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ ብተግባር ክግለፅ ኣኽኢልዎ።
እቲ ትካል ኣብ ሻውዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ካብ 54 ሚሊየን ንላዕሊ መረፅቲ ብምምዝጋብ፣ ካብ 47 ንላዕሊ ፓርቲታትን ካብ 10 ሽሕ ንላዕሊ ሕፁያት ኣወዳዲሩ። ኣብቲ ከይዲ ድማ ንፖለቲካዊ ፓርቲታት ምቹው ከባቢ ብምፍጣር፣ ኣቕርቦት ሎጂስቲክስ ብብቕዓት ብምምራሕን ቴክኖሎጂ ብምጥቃምን፣ ብድሆታት ዝሰግር ናይ ሃገር ተስፋ ዝኾነ ትካል ኢትዮጵያ ትሃንፅ ኣላ ዝብል ዞባዊ ያታ ክንፈጥር ክኢልና።
ፍልልይ መሳርሒ ጥፍኣት ዘይኮነስ፣ መትከሊ ህንፀት ሃገረ ሰብ ብዙሕ ሕብሪ ቀለም ዝሓዘ እዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ኣብ ሃገርና ንዘመናት እናተኸመሩ ዝመፁ ፍልልያት ሓሳባትን መሰረታዊ ኣጀንዳታትን ብመንፈስ ብዓል ዋናነት ሓቋፋይነት መንፈስ ንምዝታይ ዝተመስረተ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ናፅነቱ ሓልዩ ንኢትዮጵያ ተዓዋቲት ብምግባር ይቕፅል ኣሎ።እቲ ኮሚሽን ክፍልታት ሕብረተሰብ፣ ፖለቲካዊ ልሂቃንን ዝምልከቶም ኣካላትን ዘካተተ ዘተ ብምክያድ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ዘላቒ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምብፃሕ ዘኽእሉ ታሪኻዊ ስራሓት ክፍፅም ክኢሉ።