Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ምስ 53 ሃገራት ኣፍሪካ እትገብሮ ዕድጊት ንግዲ ካብ ቀረፅ ናፃ ክትገብር እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቻይና ዲፕሎማስያዊ መሻርኽተይ ምስ ዝበለቶም 53 ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ዕድጊት ንግዲ ካብ ቀረፅ ናፃ ክትገብር እያ።
ቻይና ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዕብየት ዝርከባ 33 ሃገራት ካብ ቀረፅ ናፃ ዝኾነ ፖሊሲ ንግዲ ኣተግቢራ ዝነበረ ኮይኑ፤ ተወሰኽቲ 20 ሃገራት ብምውሳኽ ምስ 53 ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ታሪፍ ናፃ ዝኾነ ንግዲ ንምትግባር ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንኽልተ ዓመት ዝፀንሕ ወሳነ ኣሕሊፋ።
እቲ ውሳነ ቻይና ምስ ኣህጉር ኣፍሪካ ዘለዋ ንግዳዊ ዝምድና ንምስፋሕን ኢኮኖሚያዊ ኣፍሪካ ርጉእ ንምግባር ዝዓለመ ምኳኑ ተገሊፁ።
ብፀብፃብ ሲጂቲኤን ፤ ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓ ብምብጋስ ቻይና ምስ ኣፍሪካ እትገብሮ ንግድን ካልእ ምትሕብባርን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ኣፍሪካን ምዕባለ ቻይናን ኣወንታዊ ለውጢ የምፅእ ኣሎ።
ብሚኪያስ ኣየለ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.