ናብ ሓዱሽ ጥንኹር ብራኸ ዘብፅሕ ተወሳኺ ዕድል
ኣዲስ ኣበባ፣16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ንኢትዮጵያ ሓድሽ ዓመት ፍሉይ ዝገብሮ ካብ ምስግጋር ዘበን ብተወሳኺ ካብቲ ዘጋጠማ ጉዕዞ ቁልቁለት ተሲኣ ኣብ ዝተረጋገፀ መንገዲ ምርካባ እዩ።
ናይ ሎሚ ሓቂ ብትኽክል ንምርዳእ፣ ናይ ትማሊ ኣንፈት ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ንዓመታት ኢትዮጵያ ንፅንዓት ሃገራዊነታን ንዓቕሚ ልምዓታን ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ተደራራቢ ስብራታትን ቁጠባዊ ፀቕጥታትን ኣጋጢሞማ ነይሩ።
እዞም ታሪኻዊ ፈተናታት ስግኣት ህልውና ብምፍጣር፣ ልምዓት እታ ሃገር ብምዕንቃፍ፣ ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዘለዋ ተቐባልነት ኣሉታዊ ፅልዋ ኣሕዲሮም ፀኒሖም።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝተኻየደ መሓውራዊ ለውጢ ግን፣ ሎሚ ምስሊ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ዝተፈልየ መልክዕ ሒዙ ኣሎ።
ብስትራቴጂካዊ ስጉምትታት ሪፎርም፣ ብዳግማይ ህንፀት ትካላትን ትኹረት ብዝተዋህቦም ስትራቴጂካዊ ተግባራትን፣ ኢትዮጵያ ንዘላቒ ብልፅግና ዝሕግዛ ፅኑዕ መሰረት ኣንቢራ ኣላ።
ኣፈፃፅማ ሜጋ ፕሮጀክታት፣ ለውጢ ሕርሻ፣ ምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚን ሰፊሕ ዲፕሎማሲያዊ ዓወታትን፣ እቲ ጉዕዞ ቁልቁለት ከም ዝተዓግተን ብዝጭበጥ ዕቤት ከም ዝተተክአን ዘረጋግፅ ዋና ምልክታት እዮም።
ድሕሪ ብዓወት ዝተዛዘመ መረፃ፣ ብሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዝምስረት ሕጋዊ ህዝባዊ ውክልና ዘለዎ ምምሕዳር፣ ጉዕዞ ብራኸ እታ ሃገር ዝያዳ ከም ዝጠናኸር ይግበር።
ብቁጠባ ርእስኻ ምኽኣል፣ ዞባዊ ምትእስሳር ምጥንኻርን ኢንዱስትሪ ምስፋሕን፣ እታ ሃገር ቀዳምነት እትህቦም ጉዳያት እዮም።
ሕዚ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ብኣጋጣሚ ዝመፀ ከምኡውን ዝተዛዘመ ኣይኮነን፤ የግዳስ መኽፈቲ ምዕራፍ ሃገራዊ ብራኸ እዩ።
ታሪኻዊ ተቃላዕነት ብዝተዋቐረ ሪፎርም ብምግጣም፣ ኢትዮጵያ ሎሚ ካብ ቀረባ ግዜ ታሪኻ ንላዕሊ ኣብ ዝፀንዐ መሰረት ተሃኒፃ ኣላ።
ብዝተፈላለዩ ዘበን ተሻጋሪ ስራሕቲ ዝተጀመረ ሓድሽ ምዕራፍ ድማ፣ ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ልዑል ብራኸ ዘብፅሕ እዩ።
ብምሕረት ደምሴ