Fana: At a Speed of Life!

ናይ ዝሰርሓ ኣእዳው በዓል – መዓልቲ ሰራሕተኛታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በቢዓመቱ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዕለት 1 ግንቦት (ሜይ ዴይ) እንትትመፅእ፤ ዓለም ውፅኢት ፃዕሪን ቃልሲን ወዲ ሰብ ዝኾነት ዕለት ብድምቀት ተኽብር።

እዛ ዕለት ሱቕ ኢላ ዝመፅአት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ዘይኮነትስ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ንኽብሮምን ንመሰሎምን ዝገበሩዎ ተጋድሎ ንምዝካር እውን ኢዩ።

ታሪኽ እቲ ዕለት ዝጅምር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1886 ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቺካጎ ኣብቲ እዋን ሰራሕተኛታት ብመዓልቲ ክሳብ 16 ሰዓት ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ኣብ ዝግደዱሉ እዋን ነይሩ።

ነዚ ግፍዒ ዝተቓወሙ ሰራሕተኛታት ቺካጎ ድማ “8 ሰዓት ንስራሕ፣ 8 ሰዓት ንዕረፍቲ፣ 8 ሰዓት ንባዕልና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣደባባይ ሄይማርኬት ተቓውሞኦም ብምስመዖም ንዓለም ዝቕይር ሓዱሽ ናይ ስራሕ ሕጊ ክሕንፀፅ መሰረት ኣንበሩ።

ካብታ ዕለት ጀሚሩ በቢዓመቱ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ብብርኪ ዓለም ለኸ ክኽበር ጀሚሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፉ 51 ዓመታት በቢዓመቱ 23 ሚያዚያ (ብኣቆፃፅራ ኣውዶፓውያን 1 ግንቦት) ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ዓንዲ ህንፀት ሃገር ከምዝኾኑ ብምዝካር፣ ማሕበራት ሰራሕተኛ መሰሎም ዘኽብሩሉን ድምፆም ዘስምዑሉን ዓብዪ ዕለት ብምግባር እቲ በዓል እናተኸበረ ፀኒሑ።

ሎሚ እዚ ዕለት እንትነኽብር ካብ ታሪኽ ሓሊፉ ናይ ፅባሕ ተስፋ እናሓሰብና ኢዩ።

ነዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “ኢትዮጵያ እትስረሕ ብደም ኣቦታትና ጥራሕ ዘይኮነስ ብናትና ረሃፅ እውን ከምዝኾነ ኣሚንና እናሰራሕና ንርከብ” ክብሉ ሰራሕተኛታት ንህንፀት ሃገር ኣበርክቶአም ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ኢዮም።

ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ካብ ዓበይቲ መንደራት ኢንዱስትሪ ክሳብ ትካላት ቴክኖሎጂ፣ ካብ ሕርሻ ክሳብ ኣገልግሎት እቲ ዓውዲ ብሓፈሻ ብረሃፅን ብልሒን ሰራሕተኛ እናተሃነፀት ትርከብ።

ናይዚ ዓመት መዓልቲ ሰራሕተማታት ብብርኪ ዓለም ንመበል 137 ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 51 ግዘ “መሰል ሰራሕተኛታት ምኽባር ንኢንዱስትሪ ሰላምን ንመፍረያይነት መሰረት ኢዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።

እቲ ዕለት እንትኽበር ሰራሕተኛን መስርሒን ከምኡ እውን መንግስቲ መፍረያይነት ብምድንፋዕ ተረባሕነት ንምጉልባት ብዘኽእል መልክዐ ክኸውን ዝግባእ እንትኸውን፤ ኩሉ ወገን ዘለዎ ክፍተት ብምእራም ምትሕብባር ንምጥንኻር ቃል ብምእታው ንተግባራዊ ምላሽ ክለዓል ኣለዎ።

ብሶስና ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.