Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ሰላም ምኽላእ ይኹን ሕጋዊን ስትራቴጂካዊን በሪ ባሕሪ ምኽላእ ኣይከኣልን

ውዳበ ፀፅታ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓታት እታ ሃገር  ንምኽባር ዘተኣማምን ዓቕሚ ፈጢሩ ኢዩ፡፡

ምስ ህዝባዊ ሓድነትን ዲፕሎማሲያዊ ቆራፅነትን ተደሚሩ እቲ ኣወዳድባ ሉኣላዊነት፣ ህልውና ኢኮኖሚን ሙሉእ ብሄራዊ ረብሓታትን ኢትዮጵያ ዘረጋግፅ ሓይሊ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ።

ሰራዊት ምክልካልን ትካላት ድሕንነትን ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ፣ ሓይሊ ሰብን ብስልጠናን ዝተጠናኸሩ ስለዝኾኑ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊን ደጋዊን ስግኣት ድሕንነት ናይ ምምካት ሙሉእ ብቕዓት ኣለዎም።

እቶም ትካላት ሰላም ሃገር ብዘላቕነት ንምሕላው ዘኽእል ስልታዊ ድሉውነት ዘለዎም ስለዝኾኑ፣ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝስርሑ ሜላታት ሙሉእ ብሙሉእ ክፍሽሉ ክኢሎም ኢዮም።

ኢትዮጵያ ዝሃነፀቶም ትካላት ናይ ባዕላ ሰላም ካብ ምኽባር ሓሊፉ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘተኣማምን ሰላም ንኸዓስል ግብረ ራዕዲ ንምውጋእን ልዑል እጃም እናተፃወቱ ይርከብ።

130 ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋን ብልዑል ቅልጣፈ እትዓቢን ሃገር በሪ ባሕሪ ምርካባ ሕንቃቐ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና ኢኮኖሚን ብሄራዊ ድሕንነትን ኢዩ።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ንምርካብ ትገብሮ ፃዕሪ ብጉልበት ዘይኮነስ ሓበራዊ ተረባሕነት ኢኮኖሚን ዞባዊ ምትእስሳርን መሰረት ዝገበረ ሕጋዊ መገዲ ኢዩ።

ነዛ ሃገር በሪ ባሕሪ ብምኽልካል ብኢኮኖሚ ፅዕንቶ ንምፍጣርን ንምድኻምን ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊን ጂኦ-ፖለቲካዊን ፅዕንቶታት ብፅኑዕ ቅዋም ኢትዮጵያን ብጥንካረ ትካላትን ምኽንያት ክዕወቱ ኣይኽእሉን።

ጥንካረ እቶም ትካላት ድሕንነት ዝፍልፍል ካብ ጥንካረ ህዝቢ ብምዃኑ፤ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕንነት ዝንፀባረቕ መንፈስ ሓድነት ንዝኾነ ሽርሒ ዘይብዳህ ቅልፅም ኮይኑ ኢዩ።

ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ነዛ ሃገር ናብ ቀይሕ ባሕሪ እትገብሮ ጉዕዞ ንምትዕንቓፍን ኣብ ውሽጢ ሰላም ንምኽላእን ምስ ባንዳታት ብምውዳድ ደፋእፋእ ይብሉ ኣለዉ፡፡

እዚ ድማ ካብ ሕልሚ ሓሊፉ ዝዕወት ድሌት ኣይኮነን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.