Fana: At a Speed of Life!

ንዝቕፅል ወለዶ ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ንምስግጋር መሰረት ይንበር ኣሎ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዝቕፅል ወለዶ ፅንዕቲ ኢትዮጵያ ንምስግጋር መሰረት ይንበር ኣ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ኢትዮጵያ ትማሊ 12 ነፈርቲ ውግእ ሱ-35 4ይ++ ወለዶ ካብ ሩስያ ተረኪባ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ርኽክብ እተን ኣፅዋራት ብመሰረት ውዕልና ኣብ 2027 ክፍፀም ዝነበሮ እኳ እንተነበረ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ንፕሬዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ኣቐዲሙ ክርከብ ከምዝተኻኣለ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ዙር 12 ነፈርቲ ውግእ ሱ-35 ከምኡ እውን 4 ባትሪታት ዘለዎም ናይ ኣየር ምክልኻል ስርዓታት ኤስ-400 ኢትዮጵያ ከምዝተረከበት ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ኣብ እዋን ሰላም ኣድላዪ ምድላው ብዘይምግባረን ፀገም እንትፍጠር ንሓደጋ ክቃልዓ ከምዝረአ ብምሕባር፤ ኣየር ክልል ኢትዮጵያ ከይጠሓስ እኹል ምድላው ምግባር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ዝተረከበተን ነፈርቲ ውግእ ሱ-35 ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዘበናውያን ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ቀዳሞት ከምዝኾና እውን ገሊፆም።

እቶም ኣፅዋራት ካብ ኣየር ናብ ኣየር ከምኡ እውን ካብ ኣየር ናብ ምድሪ ውግእ ናይ ምክያድ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለወን ብተግባር ዝተፈተና ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ብፍላይ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ዝፍነዉ መጥቃዕትታት ክሩዝ ሚሳይላት ክሳብ 200 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ናይ ምልላይን ምክልኻልን ዓቕሚ ከምዘለወን ተዛሪቦም።

እዚ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምህናፅ ንህልውና ሃገር ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝነበራ ነፈርቲ ውግእ ሱ-30ን ሕዚ ዝመከብናየን ነፈርቲ ውግእ ሱ-35ን ንኣየር ክልል ኢትዮጵያ ብውሑስ ኩነታት ንምሕላው ዘኽእላ እየን ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ እኹል ምድላው ምግባር ውግእ ንምትራፍን መጥቃዕቲ ከይፍፀም ዝኽእል ዓቕሚ ንምህናፅን ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከብ ሃገራት ኣፍሪካ እዚ ልዑል ዓቕሚ ብምህናፅ ቀዳመይቲ ሃገር ከምዝኾነት ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ከባቢ ልዕልነት ኣየር ምሓዝ ኣድላዪ ከምዝኾነን እቲ ዓቕሚ ብድሮን ጥራሕ ዘይኮነስ ብዘበናዊ ተዋጋእቲ ጄታት እውን ክህነፅ ከምዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.