ኢሬቻን ኣብ ብራዚል ዝኽበር ፌስቲቫል ሬቬዮንን – ዘደንቕ ምምስሳል ባህሊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ወዲ ሰብ ድሕሪ 4 ሺሕ ዓመታት ሓዱሽ ናይ ዘበን ዑደት እናኽበረ ፀኒሑ እዩ።
ኣረጊት ዓመት ሓሊፉ ሓዱሽ ዓመት እንትጅምር፣ ተፈጥሮን ፈጣሪን ናይ ምምስጋን፣ ከምኡ እውን ማሕበራዊ ርክብ ናይ ምጥንኻር ባህሊ ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለየ መንገዲ ይግለፅ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ማሕበረሰባት ዑደት ዘመን ዝዝክሩሉን ዝኽብሩሉን ባህላዊን መንፈሳዊን ተግባራት ዝተፈላለዩ እንትኾኑ፤ ዘደንቑ ምምስሳላት እውን ይርኣዩሎም።
ንኣብነት ኢሬቻን ኣብ ገማግም ባሕሪ ብራዚል ዝኽበር በዓል ሬቬዮንን ብዙሕ ምምስሳል ኣለዎም።
ክልቲኦም በዓላት ህያውነት ማይ፣ ልዕልነት ምስጋናን ሓዱሽ ጅማሮን መበገሲ ብምግባር ብዓሚቝ መንፈሳዊን ባህላዊን ስርዓታት ዝተቓነዩ ብምዃኖም፤ ኣብ መንጎኦም ጎሊሁ ዝርአ ተምሳሌታዊ ምትእስሳር ይረአ።
ኣብ ክልቲኦም ባህሊታት ማይ ዋና መግለፂ ህይወት፣ ንፅህናን ዝተባረኸ ጅማሮን ተገይሩ ይውሰድ።
ኣብ ብራዚል ኣብ እዋን ሬቬዮን ብዙሓት ሰባት ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ብምእካብ፣ ማዕበላት ባሕሪ ናይ ምስጋርን ንኣምላኽ ውቅያኖስ ህያብ ናይ ምቕራብን ስርዓት ይፍፅሙ።
እዚ ማይ ውቅያኖስ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክፉእ ዕድል ዘጥልልን ሓዱሽ በረከት ዘምፅእን ከምዝኾነ ይእመነሉ።
ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ድማ ኣብ ጥቓ ሩባታት ወይ ቃላያት ይኽበር። ብህዝቢ ኦሮሞ ማይ መግለፂ ልምላመ፣ ህይወትን ልውህና ፈጣሪ (ዋቃ)ን ብምዃኑ፤ እቲ ህዝቢ ነቲ ማይን ከባቢኡን ብምድህሳስ ንኣምላኹ የመስግን።
ካሊእ ክልቲኦም በዓላት ዘመሳስሎም፣ ክልቲኦም በዓላት ካብ ዝሓለፈ ምዕራፍ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምስግጋር ብምስጋናን ብተስፋን ብዝግበር ስነ-ስርዓት ዘበስሩ ምዃኖም እዩ።
ኣብ በዓል ሬቬዮን ሰባት ንሓዱሽ ዓመት ሸውዓተ ትምኒታት ኣብ ልቦም ሒዞም ማዕበላት ዝሰግሩ፣ እቲ ዝመፅእ ዘመን ናይ ሰላምን ምዕባለን ክኾነሎም ካብ ዘለዎም ፅኑዕ ተስፋ ዝፈልፈለ እዩ።
ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ በዓል ኢሬቻ ህዝቢ ንክረምቲ ብሰላም ኣሕሊፉ ለምለም ንዝኾ እዋን ቀውዒ ክበፅሕ ንዝገበሮ ፈጣሪ ብሓባር እናመስገነ ንዝመፅእ ዘበን እውን በረከት ይልምን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልቲኦም በዓላት ኣጠቓቕማ ፃዕዳ ሕብሪ ኣዝዩ ጎሊሑ ዝርአ ተመሳሳልነት ኣለዎ፤ ፃዕዳ ሕብሪ ኣብ ክልቲኦም ባህልታት ምልክት ሰላም ተገይሩ ይውሰድ።
ኣብ ብራዚላዊ ኣከባብራ ሬቬዮን ተሳተፍቲ ብምሉኦም ፃዕዳ ክዳን ተኸዲኖም ይሳተፉ፤ እዚ ድማ ንሓዱሽ ዓመት ዝምነይዎ ሰላም፣ ንፅህናን ሓድሽ ተስፋን ይውክል።
እዚ ተምሳሌታዊ ፃዕዳ ሕብሪ ኣብ በዓል ኢሬቻ እውን ይንፀባረቕ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ባህላዊ ክዳኑ ፃዕዳ ሕብሪ የካትት። ፃዕዳ ሕብሪ ኣብ ባህሊ ኦሮሞ መግለፂ ሰላም፣ ቅንዕና፣ ንፅህናን ዕርቂን እዩ።
ክልቲኦም በዓላት ቀጥታ ምስ ተፈጥሮ ምርኻብ ማእኸል ዝገበሩ ምዃኖም ካሊእ ዘመሳስሎም ጉዳይ ነው።
ብሓፈሻ ናይ ብራዚል ሬቬዮንን ኣብ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ኦሮሞ ዝኽበር እሬቻን ወዲ ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይንበር እምበር፤ ኣብ ፈጣሪ፣ ተፈጥሮን ሰላምን ዘለዎ እምነት ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ዘርኢ ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር እዩ።
ብሶስና ኣለማየሁ