Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ሓባራዊነትን ሃገራዊ ምርድዳእን ዘጠናኽር ሓባራዊ ክብሪ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢሬቻ ሓባራዊነትን ሃገራዊ ምርድዳእን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ሃገራዊ ልምዓት ንምቕልጣፍ ዝሕግዝ ሓባራዊ ክብሪ እዩ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

“ኢሬቻ ንሃገራዊ ምርድዳእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 8ይ ፎረም ኢሬቻ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ፎረም ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ኢሬቻ ምስጋና ዝቐርበሉ በዓል ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ሓድነት፣ ሓባራዊነት፣ ምክእኣልን ዘጎልብት ክብሪ እዩ ኢለን።

እቲ በዓል ሰላም፣ ሓባራዊነትን ምርድዳእን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ዜጋታት ብሓባር ደው ብምባል ሃገራዊ ልምዓት ንምቕልጣፍን ካብ ድኽነት ንምውፃእን ዝሕግዝ ሓባራዊ ክብሪ ምዃኑ ኣመልኪተን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራእይ

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.