ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ተሰማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘለወን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተሰማሚዐን።
ብሚኒስተር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ጎና ጎኒ ኣኼባ 2026 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝካየድ ዘሎ እዋን ፀደይ ዓለም ለኸን ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰብ መዚ ግምጃ ኣሜሪካ ዘትዮም።
ኣብቲ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምዕባይ ዝሕግዙ መገድታት ዘተኮረ እዩ ተባሂሉ፡፡
ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ዝጀመረቶም ከም ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዘትዮም።
ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ኢኮኖሚያዊ ቅድሚት ዝውሃቦም ጉዳያት ብምቕም ኣብ ኢኮኖሚ ዕቤት ንምምዝጋብን ዝምድናኦም ንምጥንኻር ተሰማሚዖም።