Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ብብዙሕ መልክዑ ዝተኣሳሰሩን ብሓባር ዝነበሩን ህዝብታት እዮም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ህዝብታት ብብዙሕ መልክዑ ዝተኣሳሰሩ፣ ዝተዋለዱን ብሓባር ዝነበሩን ህዝብታት እዮም ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽን (ኣሚኮ) ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ጠሚቶም ፃንጂት ገይሮም።

ኣብ ፃንሒቶም ከምዝሓበሩዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ህዝብታት ንነዊሕ ዘመናት ብሓባር እንትነበሩ ብብዙሕ መልክዑ ዝተጋመዱ፣ ዝኣሳሰሩ፣ ዝተዋሰቡ፣ ተዋለዱን ብሓባር ዝነበሩን እዮም።

ብፍላይ ድማ ኣምሓራን ኦሮሞን ብኣቀማምጠኦምን ብቁፅሮምን ክብ ዝበሉ ስለዝኾኑ፤ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ምልስ ኢልና ሕድሕድ ታሪኽ እንተመዚዝና ብሰለስተ ዋና ዋና መንገድታት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ክንርኢ ንኽእል ኢና ኢሎም።

እቲ ቀዳማይ ምትእስሳር ብመውስቦ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ውልቀ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንትንቀሳቐሱ ናይ ምዝማድ ልምዶም ኣዝዩ ልዑል ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።

እቲ ካልኣይ ፖለቲካዊ መውስቦ ምዃኑ ብምልዓል፤ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምፅናዕ ብዝግበር ፃዕሪ ሰፋሕቲ ፖለቲካዊ መውስቦታት ከምዝተፈፀሙ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ሳልሳይ ድማ ባህላዊ ጉዲፈቻ (ምዕባይ ቆልዓ) ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብዙሓት ብብርኪ ነገስታት እንሪኦም ሓዊሱ በዚን በቲን ወገን ብጉዲፈቻ ምኽንያት ሰፊሕ ምትእስሳር፣ ብሓባር ምዕባይን ምክፋል ባህልን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ንነዊሕ ግዜ ዝነበረ ልምዲ ነይሩ ኢሎም።

ሒደት ኣማኢት ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና ታሪኽ ኢትዮጵያ እንተርኢና ሱልኔታት ሸዋ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘበን ኣስታት 350 ዓመት ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

ሱልጣነታት ሸዋ መንግስቲ ኣብ ዝተመስረቱሉ ከባቢ፣ ብሰፊሑ ኦሮሞቶት፣ ኣምሓሩ፣ ኣርጎባታት፣ ጉራጌታትን ካልኦት ብሄራትን ዝነብሩሉ ከባቢ ምንባሩ ገሊፆም።

ኣብቶመ ሱልጣኔታት ብዙሕ ምትእስሳርን ምትሕውዋስን ከምዝነበረ ምግማት ይከኣል እዩ ኢሎም።

ልዕሊ 130 ዓመት ዝፀንሐን ካብ ሸዋ ክሳብ ዘይላ ዝዝርጋሕን ሱልጣኔት ኢፋት እውን ኣብ ፃንሒቱ ልዑል ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምትሕውዋስን ከምዝፈጠረ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.