Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ልዕሊ 330 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ብምፍራይ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኢያ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ልዕሊ 330 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ብምፍራይ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኢያ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ወረዳ ሱልልታ ኣብ 2 ሺሕን 150 ሄክታር መሬት ዝለምዐ ዝራእቲ ስርናይ ምስተዓዘቡ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እናምፅኡዎ ዝርከቡ ውፅኢት ኣዚዩ ዘደምም ኢዩ፡፡

እቲ ዓወት ብዝበለፀ ንኽትበረታታዕን ክተግህን ከምኡ እውን ሓደሽቲ ሓሳባት ክንፈጥርን ክንፍትንን ጉልበት ዝኸውን ኢዩ ኢሎም፡፡

ኮቪድ-19 ክሳብ ዝመፅአሉ እዋን ሕርሻ ስርናይን ስርናይ ሓጋይን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተለመደ ከምዘይነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ሕርሻ ሓጋይ መሬት ፆሙ ክሓድር የብሉን፤ ካብ ከልመና ክንወፅእ ኣለና፤ ክሕረስ ዝኽእል ሰፊሕ መሬት ኣለና ካብ ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዝተጀመረ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ኣብ ዘምፀኦ ውፅኢት ንብዙሓት እናእመነ ኣብ ዘደንቕ ብርኪ ምብፅሑ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓሽተ ሽዱሽተ ዓመት ስርናይ ካብ ወፃኢ እተእቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ትሑት ፍርያት ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት ትስራሕ ከምዝነበረት ኢሎም፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ዓውዲ ዘደንቕ ለውጢ ምምፅኡ ብምሕባር÷ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ጥራሕ 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሄክታር ከምኡ እውን ኣብ ልምዓት ሓጋይ 3 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር ዝኸውን መሬት ከምዝተሓረሰ ገሊፆም፡፡

ብድምሩ ድማ ልዕሊ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዝተሓረሰ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ካብዚ ድማ ልዕሊ 330 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ስርናይ ብምፍራይ ካብ ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚት ዘቐምጣ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ስርናይ ንዓመታት ብሓገዝ ሴፍቲ ኔት ይድገፉ ዝነበሩ ዜጋታት ህይወት ኣብ ምልዋጥ ታሪኻዊ ውፅኢት እናመዝገበት ትርከብ እውን ኢሎም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.