Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሰዓራይ እምበር ተሰዓራይ ዜጋ ኣይህልዋን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ሰዓራይ እምበር ተሰዓራይ ዜጋ ኣይህልዋን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ሰይሙዎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዚ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብድምፆም ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ንምፅናዕ ዝመረፁ ልዕሊ 54 ሚሊየን መረፅቲ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ወርቂ ብሓዊ ከም ዝፍተን ኩሉ ባህሊ ዴሞክራሲ እውን ዝፍተነሉ ኣብ እዋን መረፃ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ህዝቢ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኮይኑ ህላወኡ ንምፅናዕ ምምራፁ ተዛሪቦም።

ብሓፈሻ ከይዲ መሰረት ዴሞክራሲያዊ ባህልና እናጠናኸረ ምምፅኡ ብግልፂ ኣርእዩ እዩ ኢሎም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብመላኩ ገድፍ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.