ኢትዮጵያ ብሰብ ሰራሕ ብልሒ ኣቢላ ሃፍቲ ቱሪዝም ንምልማዕ ትሰርሕ ኣላ – ሰላማዊት ካሳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ሰብ ስራሕ ብልሒ ብምጥቃም ሃፍቲ ቱሪዝማ ንምፍላጥን ንምልማዕን ትሰርሕ ኣላ ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ።
እተን ሚኒስትር 17 መስከረም 2019 ዓ.ም ዝኽበር ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ፤ ሰብ ስራሕ ብልሒ ኣብ ድሌት በፃሕቲ ዝተመስረተ ከምኡ እውን ፅሬት ዘለዎን ብግቡእ ዝተወደበን ሓበሬታ ብምክፋል ሃፍቲ ቱሪዝም እናፋለጠ ይርከብ።
ኢትዮጵያ እውን ብሰብ ስራሕ ብልሒ ኣቢላ ንሃፍቲ ቱሪዝም ብግቡእ ንምጥቃም እናሰርሐት ከምትርከብ ብምሕባር፤ ሎሚ መዓልቲ ድማ እቲ ሚኒስቴር ማእኸል ሓበሬታ ቱሪስት ከም ዘመረቐ ተዛሪበን።
እዚ ማእኸል መውሃቢ ሓበሬታ ቱሪስት ብዲጂታል ፕላትፎርም ብምሕጋዝ ፅሬት ዘለዎ ሓበሬታ ንበፃሕቲ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።
ካብዚ ብተወሳኺ መርበብ ሓበሬታ ቪዚት ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ንኽጥቀም ብምግባር ዝተወደበ ኣገልግሎት ንኽህብ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።
ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበሩ በዓላት ብዝበለፀ ንምልላይን ንምልማዕን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከም ዝተገበሩ እውን ኣመልኪተን።
ንኣብነት በዓላት መሰረት ብምግባር ውድድራት ስራሕቲ ስነ ጥበብ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ቤኑና መንደር ዝግበር ጉዕዞ በፂሕኻ መልሲ ባቡር ከምኡ እውን ኣብ ኣብያተ መንግስቲ ጎንደር “ህይወት ኣብ ኣብያተ መንግስቲ” ዝብል ስያመ ዘለዎ ምድላው ከምዝካየድ ተዛሪበን።
ብቅድስት ኣባተ