Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ዝሃበቶ ምላሽ – ሓምለዋይ ኣሰር

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለምና ኣብዚ ሕዚ እዋን እናፈተኑ ካብ ዝርከቡ ጉዳያት ክሌማዊ ለውጢ ዘስዐቦም ፅዕንቶታት ብቕድሚት ስርዑ።

ኢትዮጵያ ንክሌማዊ ለውጢ ምላሽ ዝህብ ስጉምቲ ጀሚራ ዝተፈላለዩ ተግባራት እያናወገነት ትርከብ።

ካብ ሞንጎ እዞም ተግባራት ጭቡጥ ለውጢ እናመዝገበ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ስማ ካብ ዝለዓለሎም ጉዳያት ሓደ ኮይኑ ኣሎ።

ብቆራፅነት መንግስቲ እናተተግበረ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያውያን ልቢን ጉልበትን ብሓድነት ዘተኣሳሰረ ልዑል ሃገራዊ ተግባር ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

እዚ ኣብ 2011 ዓ.ም ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዕሊ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ፈልሲ ካብ ምትካል ሓሊፉ ተፈጥሮኣዊ ጥዕና እታ ሃገር ዝምልስን ዝዓረቑ መሬታት ዳግም ንምልምላምን ዝተወጠነ ዓብዪ ምንቅስቓስ ብዙሕ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢዩ።

መንግስቲ ነቲ መርሃ ግብሪ ልዑል ትኹረት ብመሃብ ብበዓል ዋናነት ብምምራሕን ህዝቡ እውን እቲ ፃውዒት ተቐቢሉ ብእርይ ቁፅሪ ብምውፃእ ንዝሓለፉ ዓመታት ዘርአዩዎ ቆራፅነት ሽፋን ደኒ እታ ሃገር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊሩዎ።

ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ 2017 ዓ.ም ጥራሕ ልዕሊ 48 ቢሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም።

በዚ ድማ ሽፋን ደኒ እታ ሃገር ናብ 23 ሚኢታዊ ዘዕበየ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ካብ ቁፅሪ ሓሊፉ ኣብ ጭቡጥ ሓለዋ ከባቢ ንዝመፅአ ለውጢ መርአያ ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ በቢዓመቱ ይበርስ ዝነበረ 72 ሺሕ ሄክታር ደኒ ናብ 3 ሺሕ ሄክታር ክንኪ ተገይሩ።

ኣብ ሩባታት ዝፍጠር ደለል ንኽንኪን ኣብ ሩባታት ይኽዘን ዝነበረን 1 ነጥቢ 9 ቢሊየን ቶን ዓመታዊ ክዙን ደለል ናብ 208 ሚሊየን ቶን ክንኪ ብምግባር ንሓለዋ ሃፍቲ ማይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ።

ብሓፈሻ ኢትዮጵያውያን ብፃውዒት መንግስቲን ብናይ ባዕሎም ድሌትን ንምድሪ ዘለዎም ፍቕሪ ብተግባር ዝገለፁሉ እቲ መርሃ ግብሪ፤ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ቀንዲ መሳርሒ ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.