ኢትዮጵያ ንፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ!
ፅባሕ ዝውሰን ሎሚ ብእንሰርሖ ስራሕ እዩ! ናይ ፅባሕ ዓወትና ዝሕንፀፅ ብናይ ሎሚ ፃዕርና እዩ። ካብ ትማሊ ሰናይ ተመኩሮታት ብምቕሳም፣ ንሎሚ ብግቡእ ብምግምጋምን ራኢይ ፅባሕ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ምህናፅን ፅኑዕ እምነትን መለለይ ባህሪን መንግስትና እዩ።
ሃገር በቆል ፍልጠት ምስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምዝማድ ንፅባሕ ዝምጥን ንምዃን ምድላው ልዑል ሓላፍነት ናይዚ ወለዶ ምዃኑ መንግስቲ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ። ስለዚ ድማ ዲጂታላይዜሽን ከም መኽአሊ መሳርሒን ከም ዓውዲ ኢኮኖሚን ብምውሳድ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ወለዶ ዕዳ ዘይኮነስ ውርሻ እያ እተሰጋግር። ንግዘ በብእዋኑ ንዝሓቶ ጉዳይ ምላሽ ክህብ ዘይምኽኣል፣ ዕዳ ወለዶ እዩ። ስለዚ ድማ ሃገርና ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እናመገበት ትምህርቲ እትህብ ዘላ፤ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ መናእሰይ ብናፃ ስልጠና ኮደርስ እናብፀሐት ትርከብ፤ ነዚ እውንእዩ ፈላማይ ዩኒቨርሲቲ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (አርቴፊሻል ኢንቴለጀንስ) እናጣየሸት ትርከብ። ፅባሕ ብዘይ ፍልጠት ቴክኖሎጂ፣ ፅባሕ ብዘይ ሳይበር ድሕነት፣ ፅባሕ ብዘይ ሉኣላውነት ሓበሬታ ናይ ህልውና ሓደጋ ምዃኑ መንግስትና ይግንዘብ፤ ነቲ ወለዶ ድማ ነዚ ንኽገጥም የዳሉ።
ንዘመናት ድሑር ዝበሃል ዝነበረ ዓውዲ ኢኮኖሚ፤ ሕርሻ ሎሚ ብዘይ ቴክኖሎጂ ፅባሕ ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ እዩ። ንተፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ቅድመ ምድላውን ኣወሃህባ ምላሽን ዲጂታላይዜሽን ወሳኒ እዩ። ኣገልግሎታት መንግስቲ ብፅሬትን ብቕልጡፍን ንዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ናይ ዝሓለፉ ዘበናት ኣሰራርሓታት ንፅባሕ ይትረፍ ሎሚ’ውን ኣዋፃእቲ ኣይኮኑን።
ብዓለም ለኸ ደረጃ ተወዳደርቲን ስራሕ ፈጠርቲን መናእሰይ ንምፍራይ ዲጂታል ክእለት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኢትዮጵያ ነዞም ኩሎም ጉዳያት ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ስለትርከብ እዩ “ኢትዮጵያ ንፅባሓ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ” እንብል ዘለና።
ሓሙሸይቲ መዓልቲ ጳጉሜን “መዓልቲ ፅባሕ” ኢልና ምኽባርና ድማ ዝመፅእ ዘበን ተወዳዳራይነት ቴክኖሎጂ ዝሓትት፣ ኣብ ትንተና ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ውሳነ ዝውሰነሉ፣ ካብ ሕርሻ ክሳብ ህዋ ሳይንስ ዘለዉ ምርምራት ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝድገፉሉ ዘበን ስለዘለና ነዚ ዝምጥን ወለዶ ንምፍራይ ከም እንሰርሕ ንምርዳእ እዩ።
ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ፅባሕ” ብዝብል ስያመ ምኽባራ ዲጂታላይዜሽን ንህንፀት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያን ምኽባር ሉኣላውነታን ሃገርና ኣብ ስግግር ምዕራፍ ዲጂታላይዜሽን ከምዘላ ንምብሳር እዩ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ