Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ – ዓባይ ሃገር፣ ዓብዩ ህዝቢ፣ ዓብዩ ራእይ

ኣዲስ ኣበባ፣19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓድሓደ ሃገራት ብስፍሓት ካርታ ይልከዓ፤ ኢትዮጵያ ግን ካብኡ ሓሊፋ ብኻልእ ሚዛን ትምዘን፤ ብዕምቆት ታሪኽ፣ ብብዝሃነት ህዝቢ ከምኡውን ብልዕልና መንፈስ።

ልዕሊ 130 ሚሊየን ህዝቢ ዝሓዘት እዛ ሃገር፣ ልዕሊ 80 ብሄር፣ ብሄረሰባትን ኣብ ሓንቲ ገዛ ዝሓቖፈት እያ።

ሕድ ሕድ ብሄርን ብሄረሰብን ናይ ባዕሉ ቋንቋ፣ናይ ባዕሉ ባህሊን ናይ ባዕሉ ዜማን እኳ እንተለዎ ኩሎም ብሓደ ስም ይፅውዑ፤ ኢትዮጵያውያን።

ኣብዛ ምድሪ፣ ክርስትናን እስልምናን ንዘበናት ጎና ጎኒ እናነበሩ ይርከቡ፤ መስጊድን ቤተክርስቲያንን ኣብ ሓደ ከባቢ ተጎራቢቶም ኣለዉ፤ ካብ ዝተፈላለየ እምነት ዝመፁ ደቃ ድማ ኣብ ዙርያኣ ተቐሚጦም ይበልዑ።

እዚ ብኣጋጣሚ ዝተረኽበ ኣይኮነን፤ ውፅኢት ናይ ዘበናት ሓቢርካ ምንባር እምበር።

ኢትዮጵያ መበቆል ወዲ ሰብ እያ፤ “ሉሲ” ኣብዛ ምድሪ ተረኺባ፤ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝተጀመረ ኣብዚ ቦታ ብምኳኑ ዘረጋግፅ ሳይንሳዊ መርትዖ እዩ።

ድሕሪኡ ድማ ስልጣነ ኣኽሱም፣ ኣብ ላሊበላ ዝተቐርፁ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ቤተ መንግስቲ ኣባ ጅፋር እናበልና ክንቆፅር ከለና እዚኦም ኩሎም ምልክታት ናይ ሓደ ዓብዩ ስልጣነ ዓሻራ እዮም።

እዛ ምድሪ ናይ ባዕላ ፊደል ኣለዋ፤ ግዕዝ፣ ንልዕሊ 2 ሽሕ ዓመታት ዘገልገለ ጥንታዊ ፅሑፍ።

ናይ ባዕላ ኣቆፃፅራ ዘበን እውን ኣለዋ፤ ዓለም ናብ 2026 ክትሰጋገር እንከላ ኢትዮጵያ ብናይ ባዕላ ዘበን ኣቆፃፅራ ትጎዓዝ።

ናይ ባዕላ ባህልን ምግብን ኣለዋ፤ እንጀራ፣ ስነ-ስርዓት ቡን፣ ፍሉይ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኣለዋ።

እዚ ኩሉ ታሪኽ ንኢትዮጵያ ፍልይቲ ይገብራ። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ብታሪኻ ጥራይ ኣይትነብርን። ናብ መፃኢ እውን ትጥምት እያ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብተደጋጋሚ ከም ዝገለፅዎ፥ «ዓብዪ ሃፍትና ህዝብና እዩ፤ ልዕሊ 130 ሚሊየን ህዝብን ዓብዪ ዓቕሚ ፍርያትን ኣለዋ» ብምባል ንኢትዮጵያ ገሊፆምዋ።

ብተወሳኺ ድማ «ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝተወሃሃደትን ብልፅግና ዘለዋን ሃገር ክትከውን እያ፤ ደቅና ካባና ዝሓሸት ኢትዮጵያ ክወርሱ እዮም» ብምባል ዓብዩ ራእዮም ኣቐሚጦም።

ሎሚ ኢትዮጵያ ማእከል ብልፅግና ኣፍሪካ ንምዃን ትፅዕር ኣላ፤ ቁጠባዊ ምምሕያሻት ተግባራዊ ተገይሮም፣ ዝርኣይ ውፅኢት እውን ኣምፂኦም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ፣ ሓይሊ ምፍራይ ጀሚሩ እዩ፤ ለምለም መሬታ፣ ሃፍቲ ማዕድናታን ተፈጥሯዊ ፅባቐኣን ኩሎም ገና ዘይተጠቐምናሉ ዓበይቲ ዓቕሚ ሒዞም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር እያ፤ ብበዝሒ ህዝባ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብስፍሓት ልባ።

ዓብዩ ህዝቢ እያ፤ ብቑፅሪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሓይሊ ሓድነታ።

ዓብዩ ራእይ ዘለዋ ሃገር እያ፤ ዝሓለፈ ታሪኻ እናኽበረት፣ ናብ መፃኢ እትጎዓዝ፣ ንዕድላ ባዕላ እትውስን ሃገር።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.