ኢንሼቲቫት መፈፀሚ ትልሚ ልምዓት ብምፍላይ ምትግባር:-
ምስ ፀብፃብ 100 መዓልቲታትን ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕን ዝተረኸቡ ሓበሬታታት ከምዘመልክቱዎ፤ ኣብ ትሕቲ መመሓየሺ ኣጀንዳ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝተሓንፀፁ ሽዱሽተ ዓበይቲ ውጥናት ኣብ መላእ ሃገር ዝረአ ለውጢ እናምፅኡ ይርከቡ።
• ሓምለዋይ ኣሰር፦ ሽፋን ደኒ እታ ሃገር 23.6% በፂሑ ኣሎ። በዚ ድማ እቶት ሓረስቶት እናገበረ፣ ሓምለዋይ ኣሰር ዕድላት ስራሕ እናተፈጠሩ፣ ስራሕቲ ሓለዋ ሓመድን ማይን እናተወገኑ ከምኡ እውን እቲ ስነ-ምህዳር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ እናተመሓየሸ መፂኡ ኣሎ።
• ሃገራዊ ልምዓት ስርናይ፦ ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢን ሉኣላዊነትን እናረጋገፀት ትርከብ። ሓደሽቲ ፍልጠታት ሕርሻ እናተስፋሕፈሐ፣ ኢንዱስትሪታት እታወት ውሽጢ ሃገር እናረኸቡ፣ ክባራት ዝኾኑ ፍርያታት ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ሃገር እናተተክኡ፣ ዕድላት ስራሕ እናሰፍሑን ናይ ሓረስቶት ኣታዊ እናወሰኸ ይርከብ።
• ትሩፋት ሌማት፦ ቀረብን መፍረያይነትን እታወታት ሕርሻ እናወሰኸ ይርከብ። ዝተመጣጠነ ምግቢ ብቐሊሉን ብተመጣጣኒ ዋጋን ንኽርከብ ካብ ምግባር ሓሊፉ፣ ኣናእሽቲ ምንቅስቓሳትን ንግዲ ክቀላጠፉን እቲ ከባቢ ብዝበለፀ ንኽሕሎ እናገበረ ይርከብ።
• ዲጂታል ኢትዮጵያ፦ ናይ ሕጊ፣ ፋይናንስን መለለዪ መንነት (ID)ን ስርዓታት ናብ ዲጂታል እናተቐየሩ ይርከቡ። ተበፃሕነት ኢንተርኔትን ኦንላይን ኣገልግሎታትን እናተስፋሕፍሑ፣ ስርዓታት ክፍሊት ሞባይል እናተጠናኸረ ከምኡ እውን ንግዲ ኢ-ኮሜርስ ግዘን ገንዘብን ዜጋታት እናትረፈ ይርከብ።
• ልምዓት ኮሪደር ከተማን ገፀርን፦ መሰረተ ልምዓት ከተማታት ብሓምለዋይ ትራንስፖርት ይዝምን ኣሎ።
• ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ፦ ናይ ምፍራይ ዓቕሚን ምውሳኽ እታወት ፍርያታትን እናተመሓየሸ ይርከብ።
ሕድሕድ ዓምዲታት ፈተናታት ናብ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምልዋጥ፣ ጥንክርቲን ርእሳ ዝኸኣለትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዕዙዝ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።