Fana: At a Speed of Life!

ኣብቲ ምኽክር ሓባራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐሎም ሓሳባት ዝተሓላለኹ ፀገማት ኢትዮጵያ ዝፈትሑ እዮም – ኢዜማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ሓባራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐሎም ሓሳባት ዝተሓላለኹ ፀገማት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዘኽእሉ እዮም ኢሉ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)።

ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ሙሉኣለም ተገኘወርቅ (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢዜማ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ንሓፈሻዊ ጉባኤ ዝቐረቡ ሸሞንተ ኣጀንዳታትን ውሳነ ሓሳባትን ከምዝቕበል ገሊፆም።

ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝተሓላለኹ ፀገማት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብምምኽኻር ንምፍታሕ ሓዱሽ በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ብምፅራሕ፤ ኢዜማ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ንጡፍ ተሳትፎ ከም ዝገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ምክክር ሓባራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐሎም ኣጀንዳታት ንህዝብን ንመንግስትን ዝቐርቡሉ ናይ ትግበራ ወሳኒ ምዕራፍ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን፣ ኢዜማ ድጋፉ ከም ዝቕጽል ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ምኽክር ሓባራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐሎም ኣጀንዳታት ዝተሓላለኹ ፀገማት ኢትዮጵያ ከም ዝፈትሑን ትግበረኦም ድማ ኣድላዪ ዝኾነ ከይዲን ዝተኸተለ ክኸውንን እቲ ፓርቲ ኣፅንኦት ሂቡ።

ብዙፋን ካሳሁን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.