Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 578 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ከይዲ ልዕሊ 578 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ተተኺሎም ኢለን ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰ፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓንቲ ፀሓይ ክሳብ ሕዚ 18 ነጥቢ 6 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ብእርይ ቁፅር ወፂኦም ከምዝተሳተፉ ገሊፀን።

በዚ ድማ ክሳብ ሕዚ 578 ነጥቢ 6 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉን እዚ ድማ 209 ነጥቢ 7 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ከምዝኾነን ሓቢረን።

እዚ ኣፈፃፅማ ኣብቲ ዕለት ንምትካል ካብ ዝተሓሰበ ሸቶ 72 ሚኢታዊ ምዕዋት ዝተኽኣለሉ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.