Fana: At a Speed of Life!

ብብዙሕነት ዝደመቐት፣ ብዘተ ዝፀንዐት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 21 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፅእ 29 ሕዳር ብኣሰናዳእነት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ጂማ ክኽበር እዩ።

“ብብዙሕነት ዝደመቐት፣ ብዘተ ዝፀንዐት ስልጥንቲ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝኽበር እቲ በዓል፤ ፅባቐ ብዙሕነት ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ሓባራዊ ክብሪታት ንምጥንኻርን ልዑል ሃገራዊ ሓድነት ንምህናፅን ዘኽእል እዩ።

ናይዚ ዓመት ሃገራዊ ዘተ ኣጀንዳታት ካብ ምእካብ ጀሚሩ ክሳብ ምቕራብ ናይ መወዳእታ ምኽረ ሓሳብ፣ መካተቲ ብዝኾነ ብተሳትፎ ዝተኻየደ ኮይኑ፤ እቲ ዘተ ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ ዝኽበር ምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ።

እዚ ከይዲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኾም ንፈለማ እዋን ንነዊሕ ዘበናት ዝፀንሑ ፍልልያትን ዘይምርድዳኣትን ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብምዝታይ ኣብ ስምምዕ ዝበፅሑሉን ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ባህሊ መሰረት ዘንበሩሉን እዩ።

እቲ ዘተ ንህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ልዑል መሰረት ዘንበረ ዓወት ናይዚ ወለዶ እንትኸውን፤ ውፅኢታት እቲ ዘተ ናብ ተግባር ብምቕያር ኣብ መንጎ ህዝብታት ጥዑይ ምትእስሳርን ሓያል ሓድነትን ንምህናፅ ምቹው መሰረት ፈጢሩ እዩ።

“ብብዙሕነት ዝደመቐት፣ ብዘተ ዝፀንዐት ስልጥንቲ ኢትዮጵያ” ዝብል ናይዚ ዓመት መሪሕ ሓሳብ በዓል መዓልቲ ብሄራትን ብሄረሰባትን ድማ ብዙሕነት ብዘተ ኣቢልካ ኣብ ምፅናዕ ዘተኮረ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.