Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 592 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 592 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተኻየዱ 9 ዙር በረራታት ናብ ሃገሮም ካብ ዝተመለሱ ዜጋታት 34 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ገሊፁ።

ንዝተመለሱ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ማእኸላት መዕቖቢን ግቡእ ድጋፍን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድረኦም ንምፅምባር እናተሰርሐ ይርከብ።

ካብ 5 መስከረም 2018 ዓ.ም ዝተጀመረ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ፤ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 103 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ክምለሱ ከምዝኸኣለ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.