ኣብ ስዑዲ ዝተኣሰሩ 1655 ኢትዮጵያውያን ኣዋጅ ምሕረት ተዋሂብዎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝነበሩ 1655 ኢትዮጵያውያን ፍርዶም ድሕሪ ምቁራፅ ይቕሬታ ከምዝተገብረሎም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ነቶም ኢትዮጵያውያን ዝተገብረ ይቕሬታ ውፅኢት ናይቲ ሚኒስቴር ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ርያድን ዋና ቆንስል ኣብ ጅዳን ብምውህሃድ ዝገበሮ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ምዃኑ ገሊፁ።
እዚ ውፅኢት መንግስቲ ኣብ ዜጋታት ማእኸል ዝገበረ ዲፕሎማሲ ኣብ ርክባት ወፃኢ ብዘካየዶ ትኹረት ከምዝተረኸበ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣመላኺቱ።
ብተወሳኺ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብመንፅር ዜጋ ማእከል ዝገበረ ዲፕሎማሲ ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ዘድልዮም ጉዳያት ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።
መንግስቲ ንገዛእቲ ወፃኢ ብዝምልከት ብነጋዶ ደቂ ሰባት ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ካልኦት ቻነላትን ዝዝርግሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክጥንቀቕ ኣተሓሳሲቡ።