Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ዕዳጋታትን ጥንኩራት ትካላትን ይህነፁ ኣለዉ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ዕዳጋታትን ጥንኩራት ትካላትን ይህነፁ ኣለዉ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

ጉባኤ ፎረም ፋይናንስ ኢትዮጵያ 2026 ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን፤ ብዙሓት ድሌታት እኳእንተሃለዉ ንዓቕሚ ኢትዮጵያ ዝምጥን ኢኮኖሚ እናተሃነፀ ይርከብ ኢሎም።

ዘጋጥሙ ፈተናታት ጉዕዞ ህንፀት ጥንኩራት ትካላት ኣብ ክንዲ ምትዕንቓፍ ኣቀላጠፍቲ ንኽኾኑ ብዕምቆት ይስራሕ ከምዘሎ ኣፅንኦት ሂቦም።

ነዚ ዘረጋግፅ ህንፀት ዲጂታል መሰረተ ልምዓት እውን ነቲ ኢኮኖሚ ቁፅፅርን ዝተዋደደ ልምዓትን ዘጠናኽሩ እዮም ኢሎም።

መንግስቲ ነዚ ዝምጥኑ ሓገዛት ብምግባር ዓቕሚ ምህዞ ምስ ልምዓት ግልጋሎት ፋይናንስ ንምትእስሳር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርም እውን ትኹረት ንዝጠልቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ዕድላት ዝሓዙ ምዃኖም ኣረጋጊፆም።

ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘላትሉ ኩነታት ጥራሕ ዘይኮነስ ንፅባሕ እትሃንፆ ዓቕሚ ክትርኢ ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም።

እቲ ፎረም ንዘፈር ፋይናንስ ዘጠናኽሩ መፍትሒ ሓሳባት ዝቐርቡሉ ክኸውን ከም ዝግባእ እውን ኣስሚሮምሉ።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.