ኣብ ከተማ ሊሙ ገነት ኣገልግሎት ማእኸል ሓደ መሶብ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ሊሙ ኣገልግሎት ማእኸል ሓደ መሶብ ተጀሚሩ፡፡
ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ኣገልግሎት ሓላፊ ፖለቲካ ዘፈር ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ፓርቲ ብልፅግና ነመራ ቡሊ ከምዝበልዎ፤ ኣገልግሎት ማእኸል ሓደ መሶብ ናብ ወረዳታትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ከተማታትን ይሰፍሕ ኣሎ።
እዚ ድማ መንግስቲ ኣብቲ ዘፈር ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ዘለዎ ተወፋይነት ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣመሓዳሪ ዞባ ጅማ ትጃኒ ናስር ብወገኖም እቲ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ብምዃኑ ነቲ ሕብረተሰብ ዘጋጥም ምንግልታዕ ከምዘትርፍ ኣመላኪቶም።
ኣብ ከተማ ሊሙ ገነት ዝርከብ ኣገልግሎት ማእኸል ሓደ መሶብ ብ8 መስኮት ኣቢሉ 87 ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህብ።
ኣብ ልዕሊ 150 ሚሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ዝተሃነፀ ህንፃ ዝተጀመረ ግልጋሎት ብተወሳኺ ልዕሊ 600 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኣብ ዞባ ጅማ ተመሪቖም።
ብዓብዱራህማን መሓመድ