ኣብ ከተማ ኣላማጣ ንፀገም ንዝተቓልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምብፃሕ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ኣላማጣ ንፀገም ንዝተቓልዑ ዜጋታት ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ተጀሚሩ።
እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ብፌደራል መንግስቲ ዝሽፈን መደብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኣፀጋሚ ኩነታት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ነበርቲ እታ ከተማ ህፁፅ ሓገዝ ይቕርብ ኣሎ።
ነበርቲ እታ ከተማ ከምዝገለፅዎ፤ መንግስቲ እቲ ሓገዝ ኣብ ሓፂር መዓልታት ብህፁፅ ንኽበፅሕ ምግባሩ ንዜጋታት ብቕልጡፍ ዝበፅሕ ምዃኑ ብተግባር ዘርኣየሉ እዩ ኢሎም።
ስርጭት እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኮይኑ፣ እቲ ሓገዝ ብትኽክል ናብ ዝተፀገሙ ክፋላት ሕብረተሰብ ንኽበፅሕ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት እውን ከምዝተዘርግሑ ተገሊፁ።