Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሞተር ብሽክሌታ ምሽክርካር ንዘይተወሰነ ግዜ ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2019 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ 15 መስከረም 2019 ዓ.ም ጀሚሩ በዓል ክልተ ወይ እውን በዓል ሰለስተ እግሪ ሞተር ብሽክሌታታት ምሽክርካር ከም ተኸልኪሉ ኢሉ ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ።

ዋና ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሓበሮ፤ ገለ ፈፀምቲ ገበን ሞተር ብሽክሌታ ብምጥቃም ገበናት ምዝራፍን ስርቂን እናፈፀሙ ተታሒዞም መርመራ ይግበረሎም ይርከብ።

ፈፀምቲ ገበን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስን ዝተሰረቑ ኣቕሑት ንምጉዕዓዝን ሞተር ብሽክሌታ ብብዝሒ ከም ዝጥቀሙ እውን ኣመልኪቱ።

ቁፅሮም ውሑዳት ዘይበሃሉ ኣሽከርከርቲ ሞተር ብሽክሌታ ሕጊ ትራፊክ ከምዘየኽብሩ ብፍላይ ቀይሕ መብራህቲ ምጥሓስ፣ ካልኦት ተሽከርከርቲ ገጭዮም ምህዳም፣ ሄልመት እንተይገበሩ ምሽክርካር፣ ዝተፃሕተረን ንምርኣይ ኣፀጋሚ ዝኾኑን ታርጋታት ቁፅሪ ምጥቃም ኣብ ኣሽከርከርቲ ብስፋት ዝረኣዩ ጥሕሰታት ሕጊ እዮም።

ገበን ንምክልኻልን ብኣሽከርከርቲ ሞተር ብሽክሌታ ዝፍፀሙ ጥሕሰታት ሕጊ ትራፊክ ንምቁፅፃርን ካብ ሎሚ መዓልቲ 15 መስከረም 2019 ዓ.ም ጀሚሩ፤ ካብ ኮድ 4ን ሞተር ብሽክሌታ ፖሊስን ወፃእ በዓል ክልተ ወይ እውን በዓል ሰለስተ እግሪ ሞተር ብሽክሌታታት ምሽክርካር ከም ዝተኸልከለ ተገሊፁ።

ኣሽከርከርቲ ሞተር ብሽክሌታን ሰብ ንብረትን ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስዱ ዘተሓሳሰበ ፖሊስ፤ እቲ መተሓሳሰቢ ጥሒሶም ዝርከቡ ሰባት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም እውን ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.