Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት በዓል ደመራ መስቀል መርሃ ግብሪ ፅሬት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣15 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ፅባሕ ዝኽበር በዓል ደመራ መስቀል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበረሎም መንገድታትን ኣደባባያትን መርሃ ግብሪ ፅሬት ተኻይዱ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ በዓል ደመራ መስቀል ብሓባራዊ ሓድነትን ብድምቀትን ንምኽባር ምድላዋት ክግበር ምፅንሑ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊፁ።

ሎሚ ዕለት ድማ ኩሎም ትካላት ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ኣመራርሓ መንግስቲን ኣምባሳደራት ፅሬትን ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ፅሬት ተኻይዱ።

እቲ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል ኣብ ፅሩይን ንዓይኒ ማራኺን ቦታ ንምኽባር ዝዓለመ ኮይኑ ምስሊ እታ ከተማ ዝያዳ ንምጉላሕ ዝሕግዝ እዩ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.