ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኢንተርፕራይዛትን ኣንቀሳቐስቲን መስርሒ ቦታን ሼዳትን ክመሓላለፉ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወዲቦም ስልጠና ንዝወሰዱ ኢንተርፕራይዛትን ኣንቀሳቐስቲን መስርሒ ቦታን ሼዳትን ከመሓላልፍ ኢዩ፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ከምዝበለኦ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩለን 11 ክፍለ ከተማታት ንዝርከቡ 1 ሺሕን 278 ኢንተርፕራይዛትን 3 ሺሕን 889 ኣንቀሳቐስቲ መስርሒ ቦታን ሼዳትን ክመሓላለፋ ኢዮም፡፡
ዝሰርሓ እኣዳው ነበረታትዕ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኢንተርፕራይዛትን ኣንቀሳቐስቲን ዕድል ስራሕ ንኽፍጠረሎም ከከምድልየቶም ተወዲቦም ስልጠና ከምዝወሰዱ ገሊፀን፡፡