ብወለንታውያን ዝውሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ይገብሩ ኣለው – ዶ/ር መቕደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቕደስ ዳባ ብወለንታውያን ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ብዙሓት ዜጋታት ተጠቀምቲ እናኾኑ ከም ዘለዉ ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ‘ሀርት አታክ ኢትዮጵያ’ ምስ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ብምትሕብባር ዝህቦ ዘሎ ናፃ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ኣገልግሎት ተዓዚበን።
ኣብቲ እዋን ዑደተን ከምዝበልኦ እቲ ኣገልግሎት ናይ ልቢ መጥባሕቲ ክፅበዩ ዝፀንሑ ቁፅሪ ሕሙማት ብምቕናስን ህይወት ብምድሓንን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ይርከብ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝወሃቡ ብወለንታውያን ዝሳለጡ ኣገልግሎታት ጥዕና ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ተጠቀምቲ እናገበሩ ከም ዘለዉ ኣመልኪተን።
በዙይ እውን ናፃ ሕክምና፣ ልገሳ ደም፣ ከምኡ’ውን ፅገና መሳርሒታት ሕክምና ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ንምቕራብ ዝግበር ስራሕ እናተጠናኸረ ከም ዝኸይድ ገሊፀን።
መተሓባባሪ ሄርት ኣታክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ተስፋዬ ተሊላ ብወገኖም፤ ጉጅለኦም ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ን34 ሕሙማት ናይ ልቢ መጥባሕቲ ብምፍፃም ህይወቶም ከም ዘድሓነ ገሊፆም።