Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ድሮ ዓብዪ ዓወት ትርከብ ኢትዮጵያ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተን ሃገራዊ ምርድዳእን ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ምኽክር ትርከብ።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ምእካብ ድምፂ ህዝቢ ናብ ተግባራዊ ፖሊሲን ሃገራዊ ምርድዳእን ለበዋታት ዝሰጋገር ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝተሓላለኸ ፀገም ክፍታሕ ዝኽእል ብዘተን ምኽክርን ጥራይ እዩ፤ ስለዚ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሕዚ ናብቲ ዋና ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተኣከቡን ዝተቐረፁን ኣጀንዳታት ተመርኲሱ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።

ናፅነት ሓሳብን ዴሞክራስያዊ መሰላትን ማእከል ብምግባር፣ ኣብ ኣጀንዳታቱ ሓባራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ምክረ ሓሳባት ክቕረፁ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ነቲ ታሪኻውን ዓብይን ሃገራዊ ምኽክር እትዳሎ ዘላ ኣብዚ ወሳኒ ታሪኻዊ እዋን ሎሚ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ፃውዒት ፅባሕ ዝጅምር ዘተ ፖለቲካዊ መድረኽ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ናይ ሕዚን ናይ መፃኢ ወለዶን ዕድልን ተስፋን ዝውስን ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ እውን ምዃኑ ገሊፆም።

ትማሊ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ኣብ ዓድዋ ንናፅነት፣ ልኡላውነትን ክብሪ ሃገርን ብደሞምን ብኣዕፅምቶምን ከም ዝተቓለሱ፤ ሎሚ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ታሪኻዊ ሓደራ ዝሽከሙ ቆራፃት ደቃ ትደሊ ኣላ ኢሎም።

ሎሚ ሃገርና እትደልዮም ጠመንጃ ዝተዓጠቑ ሰባት ዘይኮኑስብብስለት ሓሳብ፣ ብሓቂ፣ ብፍልጠትን ብፅንዓትን ተዓቲቖም ዘተሰናድኡ ተቓስቲ ሰላም ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሕና ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ድሮ ዓብዪ ዓወት ንርከብ ኣለና፤ ዓወት ኢትዮጵያን ህዝባን ዘይተርፍ እዩ ኢሎም።

ብስልጡን ዘተ፣ ብሰላማዊ ምይይጥን ብሃገራዊ ምርድዳእን ንዅሎም ዘጋጠሙና ፈተናታት ሰጊርና ብሓባር ናብ ብልፅግና ክንሰጋገር ኢና ኢሎም።

ካብቲ ሃገራዊ ዘተ ከይዲ ንዘመናት እናተንከባለሉ ዝመፁ ዘይምርድዳኣት ብስልጡን መገዲ ንምፍታሕን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ከም ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ።

ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ጉባኤ ምኽክር፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ካብ ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ተሳተፍቲ ወኪላት ኣብ ሓደ ማእከል ተኣኪቦም ኣብ መፃኢ ዕጫ ሃገር ዝውስን ዓብዪ መድረኽ እዩ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.