ኣክቲቪዝም ምስ ረብሓ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማሕበራዊ ኣንቃሓይ ምዃን (ኣክቲቪዚም)ምስ ረብሓ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ”ዕቤት ሚዲያ ንህንፀት ያታ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ትካላትን ዝተመዝገቡ ዓወታት ዝዝቲ መድረኽ ተኻይዱ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ÷ ፀሓፍቲ (ኣክቲቪስታት) ዝተሰሓሓተ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ዘመሓላልፉሉ ምኽንያ ውልቀ ረብሓኦም ንምኽዕባት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ሓደሓደ ውልቀ ሰባትንናይ ሚዲያ ኣክቲቪስታት ዘይግባእ ረብሓ ንምርካብ ናይ ባዕዲ ኣጀንዳ ብምቕባል ዘፍርስ ሓበሬታ እንተጋውሑ ይረአ ኢሎም፡፡
መንግስቲ ንዓውዲ ሚዲያ እኹል ሓገዝ ዘይገብር እንተኾይኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ገንዘብ ንምርካብ ክብሉ ካብ ዕላማኦምን ልኡኽቶኦምን ወፃእ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ከምዘመሓላልፉ ኣብሪሆም፡፡
ሚዲያታት ብፋይናንስ ዝሕገዙ ብፀገም ገንዘብ ምኽንያት ካብ ሞያኦም ከይወፅኡ እምበር ንመንግስቲ ዝድግፉ ንኽኾኑ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሚዛናዊነት ካብ ኩሉ ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡
መንግስቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ሓገዝ ከምዝጠናኸር ኣረጋጊፆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ