ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቤርዴ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ቀፃነት ዘለዎ ምንቅስቓስ ሪፎርም ኢትዮጵያን ኣንፈት ትኹረት መንግስቲን ብዝምልከት ነተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ገለፃ ገይሮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅል ማዕቐፍ ባንኪ ዓለምን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ቅድሚት ክወሃቦም ዝግብኡ ጉዳያት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣና ቤርዴ ብግደአን፥ መንግስ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ጥንኩር ትግበራ መመሓየሺ ኢኮኖሚን ኣዎንታዊ ለውጢ ኢኮኖሚን ንኢደን፡፡
እቲ ባንኪ ኣጀንዳታት ሪፎርም ኢትዮጵያን ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶታት ልምዓትን ንምዕዋት ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን፡፡