“ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ትግራይ” ማእዶት ብሮድካስቲንግ አገልግሎት ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ተዋሂቡዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቅድም ክብል ፍቓድ ኣገልግሎት ብሮድካስት ዝተሰረዘ “ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ትግራይ”፣ “ማእዶት ብሮድካስቲንግ ኣገልግሎት” ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ብሮድካስት ምርካቡ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ኣዋጅ ቁፅሪ 1238/2013 እቲ በዓል መዚ ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን፣ ኣብ ዝገበሮ ክትትልን ቁፅፅርን፣ እቲ ጣቢያ ምስ ኣዋጅ መራኸቢ ሓፋሽ ዝፃረሩ ትሕዝቶታት ብዘይሕጋዊ መገዲ እናመሓላለፈ ብምርካቡ ፍቓዱ ከምዝተሰረዘ ይዝከር።
ይኹን እምበር ኣብ ትሕቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ቀደም ክብል “ሬድዮን ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ትግራይ” ብዝብል ስም ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን እናሃበ ዝፀንሐ ጣቢያ፣ ከም መሳርሒ ኲናት ብምግልጋሉ ፍቓዱ ከምዝተሰረዘ ብምዝኽኻር፤ ይኹን እምበር እቲ ሕዚ ንክልሉ ዝመርሕ ዘሎ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ሰላምን ምርግጋእን እቲ ክልል ኣብ ምርግጋፅ ከምኡ እውን ድምፂ ህዝቢ ብምዃን እወንታዊ ኣበርክቶ ንኽገብር ስሙ ብምቕያር “ማእዶት ብሮድካስቲንግ ኣገልግሎት” ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ንኽወሃቦ ዘቕረቦ ሕቶ በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብመንፅር ኣዋጅ መራኸቢ ሓፋሽ ብምምርማር እቲ ሕቶ ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ብምእማን ተቐቢልዎ ኣሎ።
ስለዝኾነ ድማ እቲ በዓል መዚ “ማእዶት ብሮድካስቲንግ ኣገልግሎት” ብዝብል ሓዱሽ ስያመ ፍቓድ ኣገልግሎት ፈነወ ሚድያ ከምዝሃበ እናሓበርና፤ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ኣገልግሎት ፈነወ ሚድያ ዘድሊ ምትሕብባር ንኽገብሩ እቲ በዓል መዚ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።