Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሃገራዊ ዘተ ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ምርድዳእን ዓብዪ ግደ ኣለዎ – ነበርቲ ከተማ ኣዳማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም፣ ምርግጋእን ሃገራዊ ምርድዳእን ንኽፍጠር ልዑል ግደ ከም ዝፃወት እዩ ኢሎም ነበርቲ ከተማ ኣዳማ።

እቶም ነበርቲ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ፤ ንዓመታት ዝፀንሑ ዓበይቲ ፍልልያትን ዘይምርድዳእን ብዘተን ብሰላማዊ መገዲን ንምፍታሕ እቲ ሃገራዊ ዘተ ታሪኻዊን ዓብዪ ዕድል ከም ዝፈጥር ኣመልኪቶም።

እቲ መስርሕ ዘተ ሃገር ካብ ዝነበረቶ ናይ ሓይሊን ጎንፂን ባህሊ ተናጊፋ ብዝሰልጠነ መገዲ ናብ ዘተ፣ ምድማፅን ምክእኣልን ምስግጋራ ዘርኢ ምዃኑ ገሊፆም።

ፍልልያት ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ብምቕራብ ብሰላማዊ መንገዲ ምዝርራብ ምጅማሩ፤ ንዘላቒ ሰላም ሃገር፣ ንሓድነት ህዝብታትን ንሓፈሻዊ ብልፅግናን መሰረት ዘንብር እወንታዊ ስጉምቲ እዩ እውን ኢሎም።

ኣብቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ዝልዓሉ ሓሳባት ንኢትዮጵያ ማእኸል ዝገበሩ ክኾኑ ከም ዝግባእ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ዝተማለአ ፍረ ዘፍረ ኩሉ ወገን ናይ ባዕሉ ግደ እንትዋፃእ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ብኦሊያድ በዳኔ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.