እቲ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ዘኽእል መሰረት የንብር ኣሎ – ተዛተይቲ ፓርቲታት ፖለቲካዊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ3፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተዛተይቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረትን ሓባራዊ ምርድዳእን ንምንባር ልዑል መሰረት የንብር ከም ዘሎ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝፀንሑ ዘይምርድዳኣት ብስልጡን መንገዲ ንምፍታሕ፣ ኢትዮጵያውያን ካብ ዝሓለፈ ድሑር ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ንኹሉ ዝሓቖፈ ዘተ እናካየዱ ይርከቡ።
ካብ ሞንጎ እቶም ተዛተይቲን ንግንባር ሓርነት ዓፋር ሓጂ እስማዒል መሓመድ ከምዝገለፁዎ፣ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንኹሎም ተዋሳእቲ ብምሕቋፍ ብስልጡን ኣገባብ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ተዛተይቲ ሓሳቦም ብናፅነት ዝገልፁሉ ስለዝኾነ፤ ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ምርድዳእን ንምዕሳል ልዑል ዕድል እናፈጠረ ከምዝርከብ ኣልዒሎም።
ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ተወኪሎም ዝዛተዩሉ ዘለዉ እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ጉዕዞ ልምዓትን ዴሞክራሲን እታ ሃገር ንምቅልጣፍ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኸፍት ተዛሪቦም።
ካልእ ተዛታዪ ንምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ብምውካል እናተሳተፉ ዝርከቡ ደምሴ ስኳሬ፤ እቲ ከይዲ ዘተ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ግልፅነትን ኣሳታፋይነትን መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ ከይዲ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምስራሕን ብምውህሃድን፣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሓባራዊ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘብፅሕ ምዃኑን፣ እዚ ድማ እቲ ከይዲ ብዝሰልጠነ ኩነታት እናተመርሐ ከምዝርከብ ዘርኢ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሃገራዊ ዘተ ንምህናፅ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዝህልዎ ተዛሪቦም።
ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ድምፂ ኩሎም ተዛተይቲ ብናፅነት ዝተሰምዐሉን ንኹሉ ዝሓቖፈን ጉባኤ ምዃኑ ዝገለፁ ድማ ንዴሞክራስያዊ ፓርቲ ወሎ ብምውካል ዝሳተፉ ተዛታዪ ነፃነት ጣሰው እዮም።
ተዛተይቲ ሕድሕዶም ንኽፋለጡን ፅኑዕን እወንታዊ ርክብ ንኽፈጥሩን ሰፊሕ ዕድል ስለዝፈጠረ እቲ ከይዲ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም።
ኩሎም ክፋት ሕብረተሰብ ኣብቲ ከይዲ ምክታቶም ዝሓሸት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምህናፅ ዝግበር ፃዕሪ ከም ዘጠናኽሮ ኣመልኪቶም።