Fana: At a Speed of Life!

እንትልም፤ ብዙሕ ዓው ከይበልና ንሰርሕ፤ ንህዝብና ድማ ብውፅኢት ንዛረብ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ቦሌ ለሚ ዝተሃንፀ ሃገራዊ ፋብሪካ መፅረዪ ክቡራት ማዓድናት መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቀንዲ ዕላማ ምህናፅ እቲ ፋብሪካ፣ ኢትዮጵያ ጥረ ኣቑሑት ጥራሕ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ክቡር ዋጋ ከፊላ ዳግማይ ዝተሰርሑ ፍርያት እተእትወሉ ኣሰራርሓ ንምትራፍ ምዃኑ ገሊፆም።

ንኣብነት ኣብ ልውውጥ ቡና፣ ከይዲ ጥረ ቡና ካብ ሃገር ወፃኢ ተወሲዱ ኣብ ወፃኢ ሃገር ተዓሺጉን ተቖሊዑን ብብዙሕ ዕፅፊ ዝወሰኸ ዋጋ እንገዝኦ ኣሰራርሓ ከምኣብነት ኣልዒሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዘፈር ማዕድናት እንሰርሖ ዘለና ስራሕ ውፅኢት እናመፀአ እዩ ኢሎም። እዚ ፋብሪካ እውን ኣፍና ዓፂና ዝሰራሕናዮ ስራሕ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ“ንውጥን፤ ብዙሕ ዓው ከይበልና ንሰርሕ፤ ንህዝብና ድማ ብውፅኢት ንዛረብ” ብምባል ብኣፅንኦት ተዛሪቦም።

ብሶስና ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.