Fana: At a Speed of Life!

ከም ደመራ ብሓባር ደው እንትንብል፤ፀልማት ሃገርና ብርሃን ዝስዓር ይኸውን- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከም ደመራ ብሓባር ደው እንትንብል፤ ፀልማት ሃገርና ብርሃን ዝስዓር ይኸውን ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

ስነ-ስርዓት ደመራ መስቀል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መስቀልኣደባባይ ብድምቀት እናተኻየደ ይርከብ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣበበ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፣ ከተማና ኣዲስ ኣበባ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዛ ማእከል መስሕብ ዓለም፣ መርኣያ ፅሬት ከምኡውን ኣብ ሓፂር እዋን ዝተኻየደ ለውጢ ከተማ ኮይና ኣላ ኢለን።

ኣብ ከተማና ከም መስቀል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በዓላት ክነኽብር ከለና፣ ካብ በዓሉ ሓሊፍና ምስሊ ሃገርና እናሃነፅና ከምኡውን ኣብ ኣጋይሽ ዘለና ተቐባልነትን ስልጡንነትን እናርአና ኢና ክብላ ገሊፀን።

ብዚ መሰረት ብዙሓት ቱሪስታት ናብታ ከተማ እናመፁ ብፅቡቕ ኣቀባብላ እናረኸቡ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣጋይሽ ድማ እናተራእየ ከምዘሎ ተዛሪበን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.