Fana: At a Speed of Life!

ካብ ክትዕ ናብ ሓባራዊ ታሪኽ

ኣዲስ ኣበባ፡ 26 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ከም ሃገር ብሉኣላውነታ ፀኒዓ ክሳብ ሎሚ ዝበፀሐት ብዋዛ ዘይኮነስ፤ ኣብ ዘበናት ዘጋጠማ ዝተሓላለኹ ፈተናታት ብጥበብን ብፅንዓትን ህዝባን ምዃኑ ታሪኽ ብግልፂ የዘኻኽረና።

ደቃ ኣብ ዓድዋ ዝተጎናፀፉዎ ዓብዪ ዓወት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ዝመፅኡ ፀላእቲ ብምስዓር ብሕፍረት መሊሶምዎም እዮም።

እዞም ድሙቓት ዓወታት ውፅኢት ቃልሲ ኣይሰዓርን ጥራሕ ኣይኮኑን፤ እኳ ደኣስ ንሃገር ብሓባር ናይ ምቛምን ምትሕብባርን ዘለዎ ፅኑዕ ሓይሊ እውን ዘንፀባርቑ እዮም።

ካብዞም ብሓባር ጠጠው ናይ ምባል ተጋድሎታት ብዙሓት ዘይምስምዕማዓትን ቅርሕንቲታትን የሃልዉ እምበር፤ ካብ ሃገር ዝዓቢ ነገር የለን ኢሎም ዝኣመኑ ደቃ ሃገር ናይ ምፅናዕ ሓባራዊ ታሪኽ ፅሒፎም እዮም።

ይኹን እምበር ድሕሪ እዞም ዓወታት ህዝቢ ርእይቶኡን ቅርሕንትኡን ብናፅነት ዝገልፀሉን ዝስማዕመዐሉን ዕድል ብዘይምፍጣሩ እቶም ዘይምስምዕማዓት ንብዙሕ ዓመታት ቀፂሎም ኣብዚ በፂሖም ኣለዉ።

እዚ ድማ ሓንድነት ኢትዮጵያ ከናግዑ ዝደልዩ ባዕዳውያንን ከዳዓትን ናይ ጥፍኣት መርበቦም ንኽዝርግሑ ምቹው ኩነታት ፈጢሩሎም እዩ።

ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ዘይምትእምማን ዘምፅኡ ፍልልያት ህዝቢ ባዕሉ ብዋናነት ዝሳተፈሉ ሃገራዊ ዘተ ኣቢሉ ንኽፍትሑ ኣብ ዘኽእል ወሳኒ ምዕራፍ ንርከብ ኣለና።

እቲ ፕሮጀክት ዘተ ናይ ሓደ መንግስቲ፣ ፓርቲ፣ ትካል ወይ እውን ጉጅለ ዘይኮነስ፤ ናይ መላእ ህዝቢ ከይዲ ምዃኑ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ዝተረጋገፀሉ እዩ።

ህዝቢ ንቲ ዘተ ኣጀንዳታት ምቕራቡ፣ ብዝወከሎም ተዛተይቲ ኣብ ጉባኤ ይሳተፍ ምህላዉ፣ ሓሳቡን ቅርሕንትኡን ብናፃ ምግላፁ፣ ከምኡ እውን ንመፍትሒ ሓሳቡ እናዋፀአ ምቕፃሉን በዓል ዋና እቲ ዘተ ምዃኑ ዘርኢ እዩ።

ኣብዚ ታሪኻዊ ዘተ ሓባራዊ ስምምዕነት ክፍጠር እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ መገዲ ዘይምስምዕማዕ ጎንፂ ተመዓራሪዩ ሃገርና ናብ ዘላቒ ልምዓት ብቕልጡፍ እትግስግስሉ መሰረት ክኸውን እዩ።

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.