ካብ ዕንክሊል ኲናት ክወፅእ ዘይኽእል ዘይሕዊ ጉጅለ ህወሓት
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጎንፂን ዕንወትን ወፂኡ ሰላም፣ ልምዓትን ሓድነትን ኣጥቢቑ እናደለየ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ህዝቢ ትግራይን መናእሰይን እውን ኣድላይነት ሰላም ብግብሪ እናረጋገፁ ይርከቡ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት መገዲ ሰላም ብምዕፃውን ፃምእ ስልጣኑ ንምዕጋብ ክብል ንመናእሰይ ዳግም ናብ ኲናት ክወስዶም እኳ እንተፈተነ፤ ህዝቢ ግን ነዚ መዕነዊ ኣካይዳ ብፅኑዕ ይቃወሞ ኣሎ።
መናእሰይ ትግራይ ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣይዎ ናይ ኲናት ስቓይ ብምምሃር፣ ንረብሓ ውሑዳት ንፃምእ ስልጣንን ክብሉ ህይወቶም ከይስውኡ ፅኑዕ ቅዋም እናወሰዱ ይርከቡ።
ብግዲ ናብ ኲናት ዝግበር ግፋ ኣጥቢቖም ብምኹናን ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቶም ዘለዎም ታሪኻዊን ሃገራዊን ምትእስሳር ብምጥንካር ኣብነት ሰላምን ልምዓትን ንምዃን ፃዕሮም ጀሚሮም ኣለዉ።
ኩለመዳይ ዕብየት ኢትዮጵያ ንምትዕንቓፍን ነታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዑደት ንምእታውን ዝሰርሑ ውሽጣዊ ባንዳታትን ናይ ደገ ፀላእቲን ዝፈጥርዎ ሽርሒ ብግብሪ እናፈሸለ ይመፅእ ኣሎ።
ብፃምእ ስልጣን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምኽንያት ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘድልዮ ሕቶ ልምዓት መልሲ ከይረክብ፣ ምስ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ይሰርሕ እኳ እንተሃለወ፤ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝኸዶ መገዲ ጥፍኣት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘጋጥሞ ዘሎ ብርቱዕ ተቓውሞ ንዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ተስፋ ዝህብ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ጉጅለ ህወሓት ወረ ኲናት ብምንዛሕ ህዝቢ ብምፍርራሕን ጨቆንቲ ሕጊታት ብምውፃእን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ መከራን ግፍዒን አእትዩዎ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ንገበናቱ ዝድግፍ ሕጊ ብምውፃእ ትግራይ ኣብ ቅልውላውን ሁከትን ክትነብር እናተንቀሳቐሰ እኳ እንተሃለወ፤ ንዕላማ ውግኡ ድማ በቲ ዘውፀኦ ሕጊ መናእሰይ ብግዲ እናገፈፈ ይርከብ።
ነዚ ሓዊሱ ንተግባራት ገበን እቲ ጉጅለ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ፣ “ግፋ ጠጠው ይበል፤ ሰላም ይዕሰል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፣ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ተኻይዱ ኢዩ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘዳለዎ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጢን ትግራይ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ መሰላቱ ራዕዳውያን ሓይልታት ተሓባቢሩ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ እቲ ዞባ ንምዝራግ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዘይውዳእ ቅልውላው ንምእታው ይንቀሳቐስ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ምስ መሰላቱ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣብ ገምገም ቀይ ባሕሪ ዝርከቡ ራዕዳውያን ሓይልታት ተኣሳሲሩ እናሰርሐ እንትኸውን፤ ንመናእሰይ ትግራይ ኣዕጢቑ ብበረኻታት ኤርትራ ኣቢሉ ናብ ኲናት ሱዳን ብምልኣኽ እናዋግኦም ይርከብ።
ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝፍፅሞ ዘሎ ምጭዋይን ምግፋዕን፣ ኣዴታት ኣብ ኲናት ናይ ዝሰኣናኦም ደቀን ሓዘን ከይወድኣ ነቶም ዝተረፉ ደቀን ንምድሓን ድምፀም እናስመዓ ይርከባ።
ይኹን እምበር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንሰብኣዊ መሰላት እዘን ኣዴታት ክሕልው ኣብ ክንዲ ዝግባእ መውቃዕቲን ጥይት ብምትኳስን ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍፅመለን ኣሎ።
ብፍላይ መናእሰይን ብግዲ እናተኣከቡ ናብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን እናወሰደ ዝርከብ እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ኣዝዩ ዘሻቕል ኮይኑ ኣሎ።
ህልውና እቲ ጉጅለ ምስ ግዕዝይናን ስርቂን ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ፤ ካብ ስልጣን ወፃኢ ምዃን ከም ሓደጋ ብምቑፃር ከይዲ ሰላም ንምትዕንቓፍ ይሰርሕ ኣሎ።
መናእሰይ እናኣከበ ናብ ኤርትራን ሱዳንን እናወሰደ ዝርከብ እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝፍፅሞ ተግባር ይኣክል ክበሃል ይግባእ።
ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ዝኹንን ከምኡ እውን ንምድላው ኲናት ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ ኣፍሊጡ።