ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢትዮጵያ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ሕቡራት መንግስታት ምኽንያት ብምግባር ፍሉይ እካብ ቴምብር ዕላዊ ዝገበረትሉ መርሃ ግብሪ ትማሊ ተኻይዱ።
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ዘልዐሉዎም ዋና ዋና ነጥቢታት፡-
👉 ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ እያመዝገበት ትርከብ፤
👉 ካብ ሞንጎ 51 መስረትቲ ሃገራት ሕቡራት መንግስታት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሻምፒዮን ምትሕብባር ብዝሃ ዘፈርን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኢያ፤
👉 ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታትን ጥንኩር ምሕዝነት ዘለዎም እንትኾኑ ኢትዮጵያ ወናኒት ጥንታዊ ስልጣነ እውን ኢያ፤
👉 ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝወደቓሉ እዋን ናፅነታ ሓሊያ ፀኒሓ ኢያ፤
👉 ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝወደቓ ሃገራት ኣፍሪካ ናፃ ንኽወፅኣ ዕዙዝ ግደ ተፃዊታ ኢያ፤
👉 ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ወኪላ ኣብ ቻርተር ሕቡራት መንግስታት ዝፈረመት ሃገር እንትትከውን እተን ሃገራት ኣብቲ ትካል አባል ንኽኾና እውን ጠንኪራ ሰሪሓ ኢያ፤
👉 ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ንኽህልዋ ብልዑል ተበግሶ ሕቶ እንቕረበት ትርከብ፤
👉 ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም፣ ፀፅታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ኣብ ምትሕብባር ልምዓት ብንቕሓት ብምስታፍ ኣሰራ እናዕረፈት ትርከብ፤
👉 ኣዲስ ኣበባ እናመዝገበቶ ትርከብ ለውጢ ብቅልጣፈ ብርሃን ዝልካዕ እንትኸን፤ እታ ከተማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ወሳኒት ማእኸል ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ኮይና ኣላ፤
👉 ዋና መቐመጢት ቤት ዕዮ ሕብርት ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታትን ብዙሓት ኣባላት ጉጅለ ስራሕ ሒዛ ኣላ፤
👉 ሕቡራት መንግስታት ምስ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ምትሕብባር ብዝለዓለ ኩነታት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ፤
ብኣመለወርቅ ደምሰው