ዓለም ለኸ መዓልቲ ንህቢ
ዓለም መዓልቲ ኣናህብ ብኣኼባ እንትተኽብር፣ ንሕና ኣሰርና ብምዕራፍ ዝስማዕማዕ ስነ ምህዳር ብምፍጣር መፍረያይነት መዓር ካብ ኣፍሪካ ቀዳሞት ምዃን እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣናህብ ኣብ ዓለምና ካብዘለዉ ኣዚዮም ጠቐምቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ደቀቕቲ ፍጥረታት ይስርዑ።
ናይ ዕምበባን እፅዋትን ትናን ኣብ ምዝውዋር ዝፀወቱዎ ግደ ንውሕስና ምግቢን ህልውና ብዝሃ ህይወትን መሰረት እዩ።
ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ንህቢ እዩ። እቲ ዕለት ነዞም ዘደንቑ ሰራሕተኛታት እንዝክረሉ መዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ምስ ወዲ ሰብ ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝበለፀ ንምስራሕ እንለዓዓለሉ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣናህብ ሓዊሱ ካልኦት ነብሳት፣ እንስሳትን ኩሎም ሃብቲታት ተፈጥሮን ሙሉእ ምህዳር ብዝሕሉ መገዲ ምስ ወዲ ሰብ ተሳንዮም ክነብሩ ንምግባር ዘላቒ ፃዕሪ ትገብር ኣላ።
ልምዲ፣ ባህልን እሴትን ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ምስ ተፈጥሮ ብሰላም ናይ ምንባር ዓሚቕ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ ባህላዊ ልምድታትና ሕርሻን ምርባሕ ንህቢን፣ ኣግራብ ዘይምቑራፅ፣ እንስሳታት ዘገዳምን ነፍሳትን መዕቆቢ ከይስእኑ ብጥንቃቐ ምክንኻን መምርሒ ሕብረተሰብና ነይሩ።
እዚ ንሃፍቲ ተፈጥሮ ዓብዪ ቦታ ዝህብ ባህላዊ ክብሪ፣ ሎሚ እውን ኣብ ዘበናዊ ስራሕቲ ልምዓትና መሰረት ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ህልውና ወዲ ሰብ ምስ ሓለዋ ተፈጥሮ ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ሕብረተሰብና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝተረድኦ ሓቂ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሃገርና እናተተግበረ ዝርከብ መርሐ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ነዚ ታሪኻዊን ባህላዊን ከይዲ ሓለዋ ተፈጥሮ ብዝበለፀ እናጠናኺሩዎ ይርከብ። ኣብዚ ዓብዪ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ዝትከሉ ብቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ብዘይ ምኽንያት ዝትከሉ ዘይኮኑስ፣ ብጥንቃቐ ዝተመረፁን ንስነ ምህዳር እቲ ከባቢ ዝሰማምዑን እዮም።
ብፍላይ ድማ ንኣናህብን ካልኦት ፅገ ዕምበባ ዘዘዋውሩ፣ ዝተፈለዩን ዕምበባታት ዝህቡን እፅዋት ብስፍሓት ክትተከሉ እናተገበረ ይርከብ።
እዚ ተግባር ንኣናህብ ዘላቒ ፍልፍል ምግቢ ብምዃን ምቹው ዝኾነ ስነ ምህዳር ካብ ምፍጣሩ ንላዕሊ፣ ንሃገር በቆል ኣርባሕቲ ንህቢ ሓዱሽ ተስፋ ብርሃን ፈጢሩ እዩ።
ብብርኪ ዓለም ከም ቻይና፣ ኣርጀንቲናን ቱርኪን ዝበላ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ስዒቡ ስማ ብቕድሚት ካብ ዝፅራሓ ሃገራት ትስለፍ።
እዚ ደረጃ ንኽትረክብ ዝገበራ ቀንዲ ምኽንያት ዝፈሪ መዓር ፅሬቱን ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ባህሪኡን እዩ። እቲ ፍርያት ካብ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ንኢንዱስትሪ፣ ንመሕለዊ ፅባቐን ሕክምናን ክውዕል ምኽኣሉ ኩለመዳይ ረብሓ እቲ ዓውዲ የርኢ።
ንሕና ዓለም ለኸ መዓልቲ ንህቢ እንትንሓስብ፣ ናይዞም ኣእሽቲ ነብሳት ልዑል ኣስተዋፅኦ ብምርዳእ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢላ እናወገነቶ ትርከብ ስራሕቲ ተኸላ ፈልሲ፣ ስነምህዳር ኣናህብ ኣብ ምሕላውን ምምዕባልን ልዑል ኣብነት ዝኸውን ተግባር እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ባህላዊ ክብሪታትና ምስ ዘበናዊ ሓምለዋይ ልምዓት ብምጥማር ድሕንነት ተፈጥሮ ኣናህብ ናይ ምሕላው ሃገራዊ ፃዕሪታትና ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።