ዓቢዩ ግድብ ሕዳሰ፡ ካብ ማይ ኣባይ ክሳብ ዞባዊ ምትእስሳር
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓቢዩ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ሓባራዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ቁልፊ ግደ ዝፃወት ስትራተጂያዊ ፕሮጀክት እዩ።
እዚ ፕሮጀክት ኣፍሪካውያን ከም ዝኽእሉ ዘርኣየን፣ ሓባራዊ ምትሕብባር ናበይ ከም ዘብፅሕ ዝምስክር ኣገዳሲ ሃፍቲ እዩ።
ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ከም ሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕጅን ድርቅን ዝኣመሰሉ ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተኣሳሲሮም ዝመፁ ተደራረብቲ ብድሆታት ንምቅላስ እቲ ግድብ ዘለዎ ኣበርክቶ ልዑል እዩ።
ኢትዮጵያ ንምትሕብባር፣ ንዞባዊ ምትእስሳርን ከምኡ’ውን ንማይ ኣባይ ፍትሓውን ምኽንያታውን ተጠቃምነትን ዘለዋ ዘይናወፅ መርገፂ ብተደጋጋሚ ከተርኢ ፀኒሓ እያ።
ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ብመሪሕ ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ ምትእስሳር ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ንግድብ ሕዳሴ ክትሃንፅ ከላ ረብሓታት እተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ እዩ።
እቲ ግድብ ንዞባዊ ልምዓት፣ ንለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ዘኽእል ዓቕሚ ንምህናፅን ውሕስነት ኣቕርቦት ኢነርጂ ንምርግጋፅን ልዑል ግደ ይፃወት።
እቲ ግድብ ኣብ ምፍራይ ኤሌክትሪክ፣ ኣብ ምኽዛን ማይን ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ምቕናስን ንሱዳንን ግብፅን ዝሓሸ ረብሓ ዘረጋግፅ እኳ እንተኾነ፣ ግብፂ ግና “ፀጥ እንትብል ኣይፈትውን” ዝዓይነቱ ዘይግቡእ ተፀባኢ ባህሪኣ ንኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ምኽሳሳ ኣየቋረፀትን።
ብኣንፃሩ ኢትዮጵያ ካብ 85 ሚእታዊት ንላዕሊ ማይ ኣባይ ኣብ እተፍልፍለሉ ሩባ ናይ ልምዓት ስራሓታ ምክያድ ቀፂላ ኣላ።
ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፣ ፍሰት ማይ ብምቁፅፃር ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ንዝርከባ ሃገራት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዝቕንስ ፕሮጀክት እዩ።
ብፅንዓትን ሓድነትን ኢትዮጵያውያን ጋህዲ ዝኾነ ዓቢዩ ግድብ ሕዳሴ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ምትእስሳር ኢነርጂ ኣብ ምጥንኻር ዓብዩ ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።
ብእመቤት ሲሳይ