ዘመኑን ዝጠልቦ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንስሪ ሰማይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰማይ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ መወዳእታ ዶብ እዩ፤ ኣብቲ ዶብ ድማ ምክልኻል ልዑላውነት ይጅምር።
ናይ ሓንቲ ሃገር ኣየር ክልል ብንቕሓት ብዓይኒ ንስሪ ምክትታል፣ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ብቕልጡፍ ምልላይን ብብቕዓት መርኣይን ሓይሊ ኣየር ቀዳማይ ተልእኾ እዩ።
ነዚ ተልእኾ ንብዙሓት ዓመታት ብጀግንነትን መስዋእትነትን ዝፈፀመ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሎሚ ናይ ትማሊ ናይ ውግእ ተሞክሮ ምስ ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ትካላዊ ሪፎርምን ብምውህሃድ ነቲ ዶብ ሰማይ ንምሕላው ድሉው ኮይኑ ደው ኢሉ ኣሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ 90 ዓመታት ብዝለዓለ ናይ ውግእ ተሞክሮ፣ ብጀግንነትን መስዋእትነትን ተሳጊሩ እዩ። ኣብዚ ነዊሕ ጉዕዞ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር ክልል ብጀግንነት ብምሕላው፣ ሃገር ብምጥንኻርን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ውግእ ተልእኾ ኣፈፃፅማ ተሞክሮ ብምእካብን፣ ናይ ባዕሉ ፍሉይ ታሪኽ ፅሒፉ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከም ዝገልፅዎ፣ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ክወርሩ ንዝፈተኑ ሓይልታት መድሃኒት ብምዃን ሃገር ዘፅንዐ ትካል እዩ።
ናይዚ ታሪኽ ቀንዲ መግለፂ ጀግንነት ጥራይ ኣይኮነን ተልእኾ ብብቕዓት ናይ ምፍፃም ባህሊ እውን እዩ። ኩነታት ውግእ ብትኽክል ምግምጋም፣ ግቡእ ሓይሊ ኣየር ምጥቃምን ተልእኾ ብዝከኣለ መጠን ብውሑድ ክሳራ ብዓወት ምዝዛምን ካብ መግለፂታት ሓይሊ ኣየር እዮም።
ናይ ትማሊ ናይ ውግእ ተሞክርኡ እውን ንሎሚ ዝህነፅ ዘሎ ዘበናዊ ዓቕሚ መሰረት ክኸውን ኣኽኢልዎ እዩ።ሎሚ እዚ ታሪኽ ብሓድሽ ቋንቋ ቴክኖሎጂ ይትርጎም ኣሎ።
ቴክኖሎጂ ድሮን፣ ዘመናዊ ናይ ውግእ ነፈርቲ፣ ስርዓታት ክትትል ኣየርን ሓበሬታን፣ ከምኡውን ዓቕሚ ሳይበር ኣካላት ዘበናዊ ዓቕሚ ሓይሊ ኣየር ኮይኖም ኣለዉ።
እቲ ብትካላዊ ሪፎርም ዝተመርሐ ለውጢ ሓይሊ ኣየር ካብ ምዕዳል መሳርሒታት ሓሊፉ፣ ኣብ ምጥንኻር ሰብኣዊ ሓይሊ፣ ምርምርን ልምዓትን፣ ዓቕሚ ፅገናን ምፍራይን ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ። ብፍላይ ካብ ወፃኢ ቴክኖሎጂ ተጠቃሚ ካብ ምዃን ሓሊፍካ ብዓቕሚ ርእስኻ ምፍራይን ምፅጋንን ምኽኣል፣ ኣገዳሲ ኣንፈት ምህናፅ ዘበናዊ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ኣሎ።
ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓደ መርኣያ ናይዚ ለውጢ እዩ። ኣብ 2017 ዓ.ም ዝተመረቐ ስካይዊን ኤሮኖቲክስ ኢንዱስትሪ ንሲቪልን ወታደራውን ኣገልግሎት ዝውዕሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምፍራይ ዝተመስረተ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ናይ ቴክኖሎጂ ርእሲ ምኽኣል ኣካል ፃዕሪ እዩ።
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ እውን እቲ ትካል ን90 ዓመታት “ዋልታ ሰማይ” ኮይኑ ልኣላውነት እናሓለወ ከም ዝፀንሐ ይገልፁ።
ከም ገለፃኦም ሓይሊ ኣየር ምልክት ሃገራዊ ኩርዓት፣ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ፅንዓት ተልእኾን ብምዃን፣ ኣብ ዘፈር ኣየር ዝለዓለ ብቕዓት ንምቕፃል ቆራፅ እዩ።
እዚ ድሉውነት ዝምዘን ብብዝሒ ዝበሩ ነፈርቲ ጥራይ ኣይኮነን። ብብቕዓት ኣብረርቲ፣ ብፍልጠት መሃንዲሳትን ቴክኒሻናትን፣ ብስርዓት ሓበሬታ፣ ብዓቕሚ ፅገና፣ ብቕልጡፍ ውሳነ ምውሳድን ኣብ ግዜ ተልእኾ ዘድሊ ምላሽ ብትኽክል ምሃብን ዝተወደበ ዓቕሚ እዩ።
ኣብዚ መዳይ ናይ መፃኢ ሓይሊ ኣየር ካብ ሎሚ ዝያዳ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ይሓትት። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 90 ዓመት በዓል ሓይሊ ኣየር ዘማዕበሎም ናይ ራብዓይ ወለዶ ዓቕሚ ውግእ ኣብ 2030 ናብ ሓምሻይ ወለዶ ንምስግጋር ትልሚ ከም ዘሎ ገሊፆም።
ኣብዚ ኩሉ ከይዲ ናይ ሓይሊ ኣየር ናይ ትማሊ ጀግንነትን ናይ ሎሚ ድሉውነትን ተፈላልዮም ዝረኣዩ ጉዳያት ኣይኮኑን። ትማሊ ብጀግንነት ዝተሓለወ ሰማይ፣ ሎሚ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ፣ ብዝሰልጠነ ሰብኣዊ ሓይልን ትካላዊ ብቕዓትን እናተሓለወ እዩ።
ታሪኽ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ትማሊ ዓወታት ውግእ ጥራይ ዝዝክር ኣይኮነን፤ ካብ ተሞክሮ ትማሊ ተማሂሩ ንፅባሕ ዝዳሎ ትካል ናይ ምህናፅ ጉዕዞ እውን እዩ።
ብውግእ ዝተፈተነ ጀግንነት፣ ብውሑድ ክሳራ ተልእኾ ብዓወት ናይ ምዝዛም ተሞክሮ፣ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ዓቕሚን ምሉእ ድሉውነትን ተደሚሮም ንስሪ ሰማይ ናይ ፅባሕ ንሰማይ ክቃኒ ይዳሎ ኣሎ።
ብመላኩ ገድፍ