ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሓቀኛ ሕቶ የብሉን፤ መሳርሒ ፀላኢ ወፃኢ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ሓቀኛ ሕቶ ዘለዎ ዘይኮነስ መሳርሒ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ኮይኑ እዩ እናሰርሐ ዝርከብ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኦቢኤን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ብዛዕባ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን እዋናዊን ጉዳያት ጠሚቶም መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም ድማ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብናይ ደገ ፀላእቲ ተዓዲጉ ኢትዮጵያ ንክትረበሽን ሰላም ክትስእንን ይደሊ ኣሎ ኢሎም።
እዚ ጉጅለ ማዕርነት ክቕበል ዘይኽእል ሓይሊ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ ዝኾነ ብሄርን ብሄረሰብን ኣብ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ብማዕረ ክርአ ከምዘይደሊ ኣገንዚቦም።
እዚ ባህሪ እዚ ድማ ኩነታት ዓለምን ሃገርን እኳ እንተተቐየረ፤ ንሱ ግና ክሳብ ሕጂ ከምዘይተቐየረ ገሊፆም።
ብተወሳኺ፣ እቲ ጉጅለ ክሳብ ሕዚ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ምስ ዝርከቡ ተላኣኽቲ ዝበልዎም ኣካላት ብምጥቃም ብመሪሕነት እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኲናት ንምኽፋት ብግልፂ ይዛረብ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብቴዎድሮስ ሳህለ