ዝመፅኡ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ዘሃቀኑ ውጥናት
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዕለት ጥራሕ ዝሓስብ፣ ንፅባሕ ኣሳጊሩ ክርኢን ከርኢን ብዘይተዓደለ መንግስቲን ንመፃኢ ወለዶ ዘየማዕዱን ብዘይፈቐደ ህዝቢን ጥንኩርንን ዝማዕበለትን ሃገር ምህናፅ ይእግዳ።
ሎሚ ልዕለ ሓያላት ዝበሃላ ሃገራት በቢዓውዱ ዝበፅሑሉ ብራኸን ጥንኩር ህንፀት ሃገርን ኣብ ዕለታዊ ኣጀንዳ ኣብ ክንዲ ምድሃብ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ቀዲሞም ዝጓዓዙ ክኾኑ ይሓትት።
ኣሜሪካ ግዝኣታታ ብቅልጡፍ መገዲታት ብምትእስሳር ንጥንኩር ኢኮኖሚ መሰረታ ዝኾነ “ኢንተርስቴት ሃይዌይ ሲስተም” ዝተሰነየ ፕሮጀክት ን7 ዓሰርተ ዓመታት ተሳጊሩ ሎሚ እውን ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ፅኑዕ ዓምዲ ኮይኑ ዘሊቑ ኣሎ።
ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ መወዳእታ 197ዐታት ጀሚሩ ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቅልጡፍ መስመራት ባቡር፣ ወደባትን ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ብዝገበረቶ ናይ ነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት ሎሚ ካብ ዓለም ዓበይቲ ኢኮኖሚታት ሓንቲ ክትከውን ኣኽኢሉዋ ኢዩ።
ትውልዲ መደመር ኣብ ሎሚ ዝተሓፀረ ኣይኮነን፤ ትማሊ ብዘምለጡና ዕድላት ዝቑዝም እውን ኣይኮነን፤ እኳደኣስ ካብ ዝቐደሙ ስሕተታት ብምምሃር ንፅባሕ ሎሚ ንምስራሕ ዝቖረፀ ትውልዲ ኢዩ።
ብቕብብል ትውልዲታት ሺኽ ዓመታት ዝተሳገረት ሃገርና ብመሪሕነት ብዛዕባ ፅባሕ ትውልዲ ዘገድሶ መንግስቲ መደመር መንግስታት ብዝተቐያየሩ ቁፅሪ ዘይናግዑ ትካላት ኣብ ምህናፅ ትርከብ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ጥንኩር ፀኒዓን ትካላት ድሕንነት ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሪፎርም ተተግቢሩ ኢዩ፡፡
ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣሳታፊን መካተቲን ብዝኾነ መገዲ ብልዑል ምድላው እናተወገነ ዝፀንሐ ሃገራዊ ዘተ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዋና ምዕራፍ ዘተ ምእታዉ ይፍለጥ፡፡
እዚ ዘተ ንዓመታት እናተንከባለሉ ዝመፅኡ ዝተሓላለኹ ፀገማት ብምፍታሕ ሰላማዊት ሃገር ከምኡ እውን ዘይምርድዳኣት ብምክብባር ምፍታሕ ዝከኣለሉ ቁልፊ ንዝመፅእ ወለዶ ዝመሓላለፈሉ ኢዩ፡፡
መንግስቲ መደመር ኣብ ሓደ ናይ ኢኮኖሚ መሰረት እንተይተወሰነ ኣብ ብዝሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ካብ ምግባር ሓሊፉ ናይ ሎሚ ፀገማት ካብ ምፍታሕ ብተወሳኺ ንትውልዲ ዝተርፉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ሃኒፁ ኢዩ፤ እናሃነፀ እውን ይርከብ።
ንትውልዲ ተሓሲቦም ኣብ ከተማታትን ገፀር ከባቢታትን እናተተግበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ሜላ ኣነባብራ ዜጋታት ንምዝማን፣ ከተማነት ብግቡእ ንምምሕዳር ዝተወጠኑ እዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ህንፀታት መሰረተ ልምዓት ጊዜያዊ ፀገማት ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፈ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ዘኽእሉ ክኾኑ ንምግባር ዝዓለመ ትውልዲ ተኮር ፕሮጀክት ኢዩ፡፡
መርሃ ግብሪ ልምዓት ስርናይ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምውሳኽ፣ ስርዓት መስኖ ብምስፋሕ፣ ቀረብ ዝራእቲ ብምጥንኻር ኢሉ እውን ኣብ ዋና ዋና ከባቢታት ኣናእሽቲ ሓረስቶት ምድጋፍ ርእስኻ ናይ ምኽኣል ጉዕዞ ዝተመስረተ ኢዩ።
ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ፍርያት መስኖ ስርናይ እንተይወሰኸ 126 ነጥቢ 69 ሚሊየን ኩንታል ፍርት ተረኺቡ ኢዩ፡፡
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ፣ ትሪፋት ሌማት፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣቡሴራ ሓዊሱ ዝቕፅሉ ብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግምት ዘእተዉ ስራሕቲ ልምዓት እናተወገኑ ይርከቡ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ